- Y
- Y

Let's Stand together for Kibreab Kiros (Wedi Kiros)
0% complete
$8,084 raised of
55 donations
Let’s Stand Together for Kibrab Kiros (Wedi Kiros) and His Family ❤️
Our friend Kibrab Kiros, known to us as Wedi Kiros, now needs our support.
Behind his name is a family—a father and children who need him. This difficult time brings worry and uncertainty, and we can come together to help ease the burden on him and his loved ones.
Please donate whatever you can through this GoFundMe appeal. Every contribution, however small, is an act of care and solidarity. If you cannot donate, sharing this appeal can make a difference too.
Let’s show Wedi Kiros and his family that they are not alone. Thank you for your kindness and support.
ሰላም ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ፍትሓውያን ተቓለስቲ፣ ብሓባር ደለይቲ ለውጢ፣ ከምኡውን ፈተውቲ።
ብመጀመርታ፣ ኣብ ዘለኹሞ ሰላምን ጥዕናን ክህልወኩም ንምነ።
ቀጺልና፣ ሓውናን መቃልስትናን ክብርኣብ ኪሮሰ [ወዲ ኪሮሰ] ብዘጋጠሞ ኩነታት፣ ሕጂ ህጹጽን ናይ ሓባር ደገፍን የድልዮ ኣሎ።
ሓውናን መቃልስትናን ክብርኣብ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ጀርመንን ካልእን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ መበገሲኡ ዝወርዶ ዝነበረ ጸቕጢ ፥ ካብ ጀርመን ክወጽእ ተገዲዱ።
ሕጂ ድማ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ይርከብ።
ምኽንያቱ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብምስታፉ ዝተኸፍተ ናይ ሕጊ መስርሕ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብዚ ጉዕዞ”ዚ ድማ ብዓቕሙን ብገለ ውሑዳት ቀረብቱን መቃልስቱን፣ ብሞራልን ብፋይናንሳዊ መዳይን ክሕገዝ ጸኒሑ እዩ።
ሕጂ ግን እቲ መስርሕ እናተራእየን እናሰፍሐን ስለ ዝኸደ፣ ክብርኣብ ነዚ ጉዳይ ብግቡእ ንምክትታልን ዘድልይዎ ጠለባት ንምምላእን፣ ካባና ደገፍ የድልዮ ኣሎ።
እዚ ክንብል እንከለና፣ ህዝብና ዘለዎ ኩነታት ካብ ዘይምርዳእ ኣይኮነን።
እንታይ ደኣ፣ ከም ሓውናን፣ ብጻይናን መቃልስትናን መጠን፣ ኣብዚ እዋን ዚ ሓላፍነትና ክንዋጻእ ስለ ዝግባእ እዩ።
ምኽንያቱ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ሕጊ መስርሕ፣ ንሓውና ክብርኣብን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብጾትን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ዋጋ ዝተኸፍሎ ዕላማ ቃልስና እውን ዝጸሉ እዩ።
ስለዚ፣ ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን ኩላትና ብዓቕምና ንሓውና ክብርኣብ ደገፍና ክንህቦ፣ ብሞራልን ብፋይናንሳዊ መዳይን ኣብ ጎድኑ ክንከውን፣ ከምኡውን ነዚ ጉዳይ ክሳብ ዝውዳእ ብሓባር ክንከታተሎ ንጽውዕ።
