በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን
ብክርስቶስ ክርስትያን ብወልድ ውሉድ ዝተበሃልኩም ናይ እግዚኣብሔር ተኸተልቲ ናይ ድንግል ማርያም መፍቀርቲ ናይታ ቕንዕቲ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ሰዓብቲ ንኹልኹም ተጋሩ በሓበራ ከምኡ 'ውን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይ ደገፍቲ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኣለኹም ከም "ጥበብ ይብራህ "ሰናይ ክትህልውልና ናይ ኩልሳዕ ትንቢትና ፣ባህግናን ፀሎትናን 'ዩ።
"ጥበብ ይብራህ "ናይ ዩቱብ ቻነል ትግራይና ካብ ዝወደቐቶ ተንሲኣ ናብ ልዕልናኣ ክትምለስ ንቐፃሊ ወለዶ ካብ ሕሉፍ ታሪኹ ተማሂሩ ብሽርሒ ፅላእትና ዘይንቕነቕ ውሕስቲ ዝኾነት ንኹሉ ዜጋኣ ብማዕረ ተስትኣናግድ ሃገረ ትግራይ ንምህናፅ እጃሙ ዘውፊ ዘሎ ብውልቀ ዝንቀሳቐስ ናይ ዩቱብ ቻነል እዩ።
ትግራይ ካብ ዝነበረቶ ልዕልና ስልጣነ ኣኽሱም ወሪዳ ምስ ሃፍታ ሓርኳት ንታሪኽ ምስራሕ ዝተዓደለ ህዝባ ናብ ዝነበረቶ ክብራ ከይትምለስ ገዛእቲ አምሓራ ምስ መሻርኽቶም "ንትግራዋይ ኣይተጥምዮ ኣይትተፅግቦ" ብዝብል መምርሒኦም ንትግራዋይ ኣብ ክልተ ከፊሎም ኣብ ነንርእሱ ደምነት ተኺሎም ኣብቲ ሓደ ጋኔን ኣቕሚጦም ኣጋንንቲ ከፍሪ ገይሮም ነቲ ኣብ ዕላምኡ ዝፀነዐ ታሪኽ ወለደይ ሕድሪ ሰማእታተይ ኣየድፍርን ዝበለ ጊዚኦም ተፀብዮም ኣብ ነኒርእስና ብዝፈጠርናዮ ኽፍተት ኣትዮም ጭርሖ እቶም ጭካናት ኣምባገነናት ሄሮድሳውያን ኣቦታቶም ኣማሓይሾም ዘርእና ከፅንቱ ንትግራይ ካብ ካርታ ዓለም ፍሒቖም ከምዘይነበረት ክገብሩ ተበጊሶም ክንድቲ ድሌት ጨኸንኦም ናይ ኣራዊት ባህርያት ኣቦታቶም ብታሪኽ እንትዝንቶ ንሰምዖ ዝነበርና ኣብ ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝተፈፀመ ግፍዒ ሓቂ ዶ ይኾን ሓሶት ኢልና ከም ሰባት ሓሲብና ንጠራጠረሉ ዝነበርና ብዓይንና ርኢናዮ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ፅልኢት ካብቲ ዝዝንቶ ዝነበረ ንላዕሊሊሊ ምዃኑ ኣርእዮምና እዮም።
እግዚኣብሄር ምስ ሓቂ ዝሓዘ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ሕዚ 'ውን ህዝቢ ትግራይ ከም ኣቦታቱ ኣብ ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ከም ህዝቢ ሓደ ኾይኑ ከምቲ ዳዊት ብገልበቱ ዳተመከኸ ንዝመፀአ ጎልያድ ብሓይሊ ኣምላኽ አሕፊሩ ሂይወት እስራኤላውያን ከጥፍእ ዝመፀአ ንባዕሉ ዝጠፈአ ።ከምቲ ሃማ ንዘርኢ ኣይሁድ ከፅንት ንመርዶክዮስ ክስቅል ብቕንኢ ዝተለዓለ ብፆሎት እቲ ውፁዕ ህዝቢ ነገር ተገልቢጡ ንባዕሉ ኣብታ ዘዳለዋ ተሰቒሉ ኣብታ ንመርዶክዮስ ዝፈሓራ መቓብር ዝተቐብረ።ፅላእቲ ህዝቢ ትግራይ እውን ከም ሕሩጭ በቲናዮ ዝበልዎ ህዝቢ ብሓይሊ ኣምላኽ ተንሲኡ ካብ ኣብዝሓ መሬት ትግራይ ፈትዮም ከይኮኑስ ብዝገበሮ መሪር ተጋድሎ ፀራሪጉ ኣውፂእዎም እዩ።ምስጋና ንልዑል ኣምላኽ ይኹን።
እቲ ዝገርም ነገር ናይዚ ኹሉ ወፅዓ ግፍዒ ኣላሚቱ መሰረቱ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክ/ያን ብዝብል ዝተሰየመት እታ ቐንዲ መናሃሪት ኮይና ዝፀነሐት ሕዚ 'ውን ኪዱ ንህዝቢ ትግራይ ኣፅንቱለይ ኢላ ባሪኻ ስንቂ ሰኒቓ ዝላኣኸት ምዃና እዩ። ጥበብ ይብራህ ብሃይማኖት ተጎልቢቦም ዝመፅኡና ተዃሉ ጉልባቦም ብምቕላዕ ምስጢሮም ብምውፃዕ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ህዝቢ ትግራይ ክነቅሕ ናይ ባዕሉ ቤተ ክርስትያኑ ክለሊ ኣብዛ ፀላም እዋን ብርሃን ህዝቢ ትግራይ ክኸዉን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሚድያ 'ዩ።
ክሳዕ ሕዚ ልዕሊ 400 ቪድዮታት ብምስራሕ መዝሙር ትግርኛ ዜማን ግጥምን ብምስራሕ ክልተ መዝሙራት ኣብ ዮቱብ ቻነልና ዝተፃዕኑ "ፅዮን ኣውግሕዮ፣ይመስገን ፈጣሪ ገና ዘይተፃዕኑ 8 መዝሙራት መፃሕፍቲ 2 ገና ናብ ሕትመት ዘይበቕዑ 3 ብምድላው ከምኡ 'ውን ፀላእትና ድፎዖም ገይሮሞ ዝፀንሑ ንህዝብና ዘታሉሉ ሓሰውቲ ባሕተውቲ፣ ፈወስና ኣጋንንቲ ኣውፃእና ዝብሉ፤ ባንዳታት ጳጳሳት ኢና በሃልቲ ፤ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ገዳማትና ንፍለጥ ብዝብል ህዝብና ክነቕሐሎም ዝግባእ ኣስተምህሮ ብምሃብ ብመደብ ወረንጦ ንሊቃውንቲ ቤተ ክ/ያን ታሪኽ ዝፈልጡ ብምዕዳም ብኣሽሓት ዝቑፀር ህዝብና ግንዛበ ንኽቐስም ተግይሩ እዩ። ብዙሓት ተጋሩ ካብ ጉጉይ መንገዶም ተመሊሶም ናብ ትግራይ ሃገሮም ክጥምቱ ክሕግዙ በቒዖም 'ዮም።
እዚ ሰናይ ቅዱስ ተበግሶ ብግለይ ምስ ግዱሳት ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓሳብ ብዝተፈላለየ ሓገዝ ተሓዊስዎ እግዚኣብሄር ብዝሃበኒ ጥበብን ሓይልን ምስ ናይ ስደት ናብራ ብምግፋጥ 'ዩ።ብቲ ንህዝበይ ዝህቦ ኣግልግሎት ድማ ኣዝየ ሕቡን 'የ።ንቐፃሊ ካብዙይ ብምጥንኻር ብዙሓት ስራሕቲ ንምስራሕ ኣብ ምሽብሻብ እርከብ ታይ ክንሕግዝ እትብሉ ኣሕዋት ብትፈላለየ መልክዑ ዳሓገዝኩሙኒ ዝመፃኹም ትግራይና ናብ ልዕልናኣ ንምምላስ ፀላእትና ዳግም ኣብ ልዕሌና ከየሽካዕልሉ ብዝበለፀ ነቕሕና ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣብዙይ ጎፈንድሚ ብምእታው ዝዓቕምኹም ክተበርክቱ ንምዲያኹም ክትሕግዙ እላቦ።መደባት ጥበብ ይብራህ ቐፃሊ ክኸውን ናይ ኩልና ሓገዝን ደገፍን ክሕወሶ ከሎ እዩ::ናትና እንብሎ ሓሳብናን ድሌትናን ዘንፀባርቕ ብተዃሉ ከይንተሓዝ ሃየማኖትና ስርዓት እነፈልጠሉ ሚድያና ብዝዓቕምና ሓጊዝና ነዕቢ ንትገብሩለይ ሓገዝ ኩሉ ኣቐዲመ ብስም ልዑል ኣምላኽ አመስግን::
ቐዳሞት ነይርና ቐዳሞት ክንከውን ኢና!!
ሓይልና ኣምላኽ 'ዩ ክንስዕር ግድን 'ዩ!!
ዲያቆን መምህር ይብራህ ካሳ
Organizer
Tibeb Ybrah
Organizer
Denver, CO