Main fundraiser photo

ዕባይ ቤ.ት ሰውራ- እንዳ ህጻናት። ደገፍ ንሓብትናን መተዓብይትናን መኣዛ ወልዱ

Donation protected
ሓርበኛታት ኣለይቲ ቤት-ትምህርቲ ሰውራን ጽጉማት መተዓብይትን ንምርዳእ ዓቕምና ነወፊ!

ተንቲንካ ዘይውዳእ ብርዒ ቀለም ዘይኣኽሎ ታሪኽ! ታሪኽ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ። ቤት-ትምህርቲ ሰውራ፡ ቤት-ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነት፡ ቤት እውን ኢያ ነይራ። ኣብኣ ትነብረላ፡ ትምሃረላ፡ ትጻወተላ፡ ትነቕሓላ፡ ደብዳብ ነፈርቲ ትምክተላ፡ ጥሪት ተፍርየላን ትጓስየላን፡ ሕውነትን ፍቕርን እተጥርየላ፡ ትብድለላን ትቕጻዓላን፡ ኮታስ ኣብ ውሽጣ ብዙሓት ንኡሳን ስድራ-ቤታት ዘካተተት ሓንቲ ዓባይ ስድራ-ቤት ኢያ ነይራ። ምስ ኩሉ ተዘኩሮታታ ከኣ ኣብ መትንታት ነፍሲ-ወከፍ ብኣኣ ዝሓለፈ ዘበለ፡ ኣላዪ ይኹን ተመሃራይ፡ ዘይሃስስ ዝኽርን ፍቕርን ኣስሪጻ ኢያ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ህላዊኣ ብዝነኣሰ መልክዕ ክቕጽል’ኳ እንተ ጸንሐ፡ ምስ ምዕባይ ደቃን ምሽምጋል ኣለይታን ግን ህላዊኣ ከብቅዕ ዘይተርፍ ጽሕፍቶ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልቢ ደቃ ተወቂራ ግን ክሳብ ሕጂ ትነብር ኣላ። ኩልና ኣብኣ ዝዓኾኽና መተዓብይቲ ወትሩ ክንዝክራ እንከሎና፡ ካብኣ ከይተነጻጸሉ ወትሩ ብሓሳብ እንዝክሮም ከኣ፡ እቶም ህልዊ ንኽትከውን ዘቖሙዋን ቀትርን ለይትን ስንክልናን ቃንዛ መውጋእትን እናመከቱ፡ ከይተሓለሉ ኣሽሓት ዝኾኑ ደቃ ዘዕበዩላን ውፉያት ኣለይትናን መምህራንና ኢዮም። ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ብዕድመ ሸምጊሎም፡ ኣካሎም ደኺሙ፡ ስንብራት ስንክልንኦም ብዝተፈላለየ ቃንዛ ዳግማይ ከሳቕዮም ይርከቡ ኣለዉ። ጎኒ-ጎኒ እዞም ውፉያት ኣለይትናን መምህራንናን ነበር እንዝክሮም ውን፡ መስገደል ሂወትን ጥዕናን ዝበደሎም መተዓብይትና ኣይተሳእኑን። ገሊኦም ኣብ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ገሊኦም ከኣ ኣብ ከርፋሕ ናይ ናብራ ቅልስ ዘለዉ ኣለዉና። እሞ’ኸ ድኣ፡ ኣብ’ዛ ዘለናያ ፈታኒት፡ ቴክኖሎጂ ዝዓብለላ ገንዘብ ዝሕማማ ዓለም፡ ማዕረ-ማዕሪኣ ክስጉሙ ብዘይ ምኽኣሎም ንዝወርዶም ዘሎ ናይ ናብራ ተጽዕኖ፡ ውሬታ እቲ ዝሓብሓቡናን ዝኣለዩናን ዝመሃሩናን ክንመልሰሎምን ነቶም ዝተሸገሩ መተዓብይትና ኣለናልኩም፡ ካብ ቁሩብ ቁራቦና ተማቐሉ ክንብሎም ዝኽልክለና እንታይ ኣሎ፧ ወላ-ሓንቲ የለን። ዓቕምናን ሕልፊ ድኽነትናን እኳ እንተ ወፈናሎም’ውን፡ ንዓና በረኸትን ሕልናዊ ዕጋበትን ኢዩ’ሞ፡ ሃየ መተዓብይቲ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝኾንና ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዓቕምና ዘፍቅዶ ገንዘባዊ ሓገዝ ነበርክተሎም። ነዚ ክንገብር ኣምላኽ ጸግኡን ሓይሉን የዕጥቐና፡ ኣሜን!

Illustration of helping hands

Give $100 to help get this fundraiser to its goal

Make a donation
Make a donation

Donations 

    Illustration of helping hands

    Give $100 to help get this fundraiser to its goal

    Make a donation
    Make a donation

    Organizer

    Merih Tikue
    Organizer
    St. Paul, MN

    Your easy, powerful, and trusted home for help

    • Easy

      Donate quickly and easily

    • Powerful

      Send help right to the people and causes you care about

    • Trusted

      Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee