ሃንደበታዊ ዕረፍቲ ኣገልጋሊ ክፍሎም ኣስመላሽ (ኤሩ)! ደበስ ንስድራ-ቤቱ።

Story

0% complete

$6,765 raised of 20K

ሃንደበታዊ ዕረፍቲ ኣገልጋሊ ክፍሎም ኣስመላሽ (ኤሩ)! ደበስ ንስድራ-ቤቱ።

Donation protected
ኣገልጋሊ ክፍሎም ኣስመላሽ (ኤሩ)
(1974-2025)

ኣገልጋሊ ክፍሎም ኣስመላሽ፡ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ኣስመላሽ ገ/ስላሴን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ወረደሽ ገ/ስላሴን፡ ብ1974 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዱ። ናይ ትምህርቲ ዕድሚኡ ምስ ኣኸለ፡ መባእታዊ ኣብ ቤ/ት ሳሊና፡ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤ/ት ሓርበኛታት፡ ላዕለዋይ ደረጃ ኸኣ ኣብ ቤ/ት ኢስሓቕ ተወልደመድሂን ብምኻድ ትምህርቱ ዛዚሙ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 1999፡ ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ተቐቢሉ ዳግማይ ህይወት ዝረኸበ ሓው ክፍሎም፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቃለ-ህይወት ብምጽንባር ኢዩ ጉዕዞ ኣምላኻዊ ሕብረት-ኣሕዋት ዝፈለመ። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ዓመተ 2000፡ ኣብ መበል 12 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸንቢሩ ናብ ሳዋ ብምውራድ ሃገራዊ ግቡኡ ክፍጽም ወፈረ። ነቒሑ ሃገራዊ ግቡኡ የሰላስለሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ከኣ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ውን ኣብ ህይወት ጎይታ ካብ ምንቃሕ ኣይተኾልፈን። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ 2000 ዓ/ም ክሳብ 2008 ዓ/ም ምልክት ቦጦሎኒ ኮይኑ ሃገራዊ ግቡኡ እናፈጸመ፡ ነቶም ኣብ ኣሃዱኡ ዝነበሩ፡ ብቐረባ፡ ነቶም ካብ'ቲ ዝነበሮ ስፍራ ንገለ ኪሎ-ሜተራት ርሕቕ ኢሎም ሃገራዊ ግቡኦም ዝፍጽሙ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ብእግሩ ተጓዒዙ እናበጽሐ፡ ብቓል ጎይታን ብጸሎትን የገልግሎም ከም ዝነበረ ፈለጥቱ ይምስክሩ። ናይ ሕብረት ህይወት ብዕምቆት ዝተረድኦ ኣገልጋሊ ክፍሎም ኣስመላሽ፡ ኣብ ዓመተ 2008 ካብ ኤርትራ ናብ ጁባ ኣብ ዘምራሓሉ እዋን ውን እንተኾነ፡ ምስ'ታ ኣብኡ ዝጸናሓቶ ማሕበር ብርሃን ወንጌል ክጽንበር ግዜ ኣይወሰደሉን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከም ኣገልጋሊ ክፍሊ መዘምራን ኮይኑ፡ ንሓንቲ መዓልቲ'ኳ ትኹን ካብ ኣገልግሎቱ ከየብኮረ፡ ክሳብ 2010 ዓ/ም ብትግሃት ከገልግል'ዩ ዝመረጸ። ካብ ኣገልግሎት ጎይታ ከይተሰናኸለ ከኣ፡ ኣብ 2011 ዓ/ም ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ጸሎትን ክፍሊ ኣገልግሎት ሜድያን ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2019 ዓ/ም ኣባል ኣገልግሎት ክፍሊ ምኽሪ ቤተ-ክርስትያን ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ንኣስታት 2 ዓመታት ከም ኣማኻሪ ቤተ-ክርስትያን ኮይኑ ኣገልገለ። ኣብ መጀመርያ 2021 ዓ/ም ሽማግለ ቤተ-ክርስትያን ኮይኑ ተመዚዙ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ኣብ ዕለት 01-01-2023ዓ/ም፡ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ጓሳ ማሕበር ብምዃን፡ ምስ መገላግልቱ ብፍቕርን ብስኒትን እናተመኻኸረ፡ ብምምሃርን ብምስባኽን ብምምዓድን ብጸሎትን፡ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ፡ ኣገልግሎት ጉስነት ማሕበር ብርሃን ወንጌል ጁባ ብእሙንነት ፈጸመ።
ጸዓት ጸሎት፡ ትግሃት ስብከት፡ ግቡእ ሓልዮት ሓዳር፡ ፈታው ጽቡቕ፡ መጸበቒ ውራይ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ፍቕሪ፡ ሕያውነትን ልግስን ዝመለለይኡ ሓው ኣገልጋሊ ክፍሎም ኣስመላሽ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ኣዋልድን ኢዩ ኔሩ።
ስለ'ዚ ብሩኻት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንዝተጸገሙን ንሽጉራትን ምድጋፍ ናይ ነፍሲ-ወከፍና ኣገልግሎት ጎይታ'ዩ እሞ፡ ከም መጠን ጸጋና፡ ንብዕልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ ጸበብኦም ንረድኤት ዝኾኖም ፋይናንሳዊ ድጋፍ ክንገብረሎም ብምሕረት ጎይታ ንምሕጸን። ኣምላኽ ዘውጻእክምዎ/ንኦ ይባርኽ፡ ኣሜን።

Organizer

Kesete Hagos
Organizer
St. Paul, MN

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee