Main fundraiser photo

ሚድያ ኣትራኖስ ድምጺ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ምእንቲ ኽቅጽል ዝኻኣልኩሞ ሓግዙና

Donation protected
ሚድያ ኣትራኖስ ዕላዊ ስርሑ ካብ ዝጅምርን ፍቓድ ካብ ዝረክብን ናብ ክልተዓመቱ እንዳተቃረበ ይርከብ። ኽንጅምር እንተለና ብዝተወስኑ ደገፍትና ካብ ዝረኸብናዮ ናይ ገንዝብ ሓገዝ እቶም ከም ሚድያ ከጀምሩና ዝኽ እሉ መሰረታዊ ናይ ሚድያ ኣቑሑት ገዚእናን ስቱድዩ ተኻሪናን ስራሕና ጀሚርና ስጋብ ሕዚ እውን እንዳ ሰራሕና ንርከብ። ወጻኢታትና ናይ ቢሮኽራይ ፣ ናይ ሶፍትዌር ክራይ ፣ ኢንሹራንስ ፣ ናይ ቴለፎንን ናይ ኢንተርነነትን ክራይን ካሎኦት ተወሰኽቲ ወጻኢታትን (overhead costs) ከሙኡውን ምስቱ ምስ ካሎኦት መሻርኽቲ ኣካላት ኮይንካ ናብ ሳተላይት ምድያብ ዘለና ትልሚ ኸባቢ £1000 ኣብ ወርሒ ወጻኢታት ኣለውና ። እዙይ ናይ ባዕልና ጊዜን ዓቕሚን ከምቱ ኹሉ ትግራዋይ ዝገብሮ ብናጻ ኣወፊና እዩ። ስጋብ ሎሚ እቱ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ወጻኢ ካብ ጁባና በብውርሒ እንዳዋጽና ኽንሽፍኖ ጸኒሕና ኢና። ሕዚ ግን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እንዳኾነ ይመጽእ ስለዘሎ ናታትኩም ሓገዝ ምሕታት ናይ ግድን ኮይኑ ረኺብናዮ። ንሕና ከምቱ ኽሉ ጊዜ ንገብሮ ጉልበትናን ፍልጠትናን ብናጻ ንህዝቢ ትግራይ ኽነገልግል ድሉዋት ኢና ከም ሃገርና ውን ገንዘብ ኽንሕግዝ ኢና ስለዚ 50 ለሚን ነሓደ ሰብ ሽኽሙ ንሓምሳ ሰጌጹ እዩ እሞ ዘዝኽኣልኩሞ ሓግዙና። እቱ ኣብ ታርጌት ኣቀሚጥናዩ ዘለና በዝሒ ገንዘብ ኣብ ልዕሊ እቱ ወርሓዊ ወጻኢና ሚዳያና ናብ ዝልዓለ ብራኸ ንምብጻሕ ፣ ካሎኦት ዝተርፉና ኣቑሑት መግዝኢን ኣብ ግመት ዝተእተወ ምዃኑ ኽንሕብረኩም ንደሊ። ሕድሕድ ዘወፌኹሞ ገንዘብ ድማ ኣብ ምንታይ ከምዝውዓለ ብግልጺ ንህዝቢ ኽንሕብር ምዃና በዙ ኣጋጣሚ እዙይ ቃል ኽን ኣትወልኩም ንደሊ። የቐንየልና። ናትኩም ሓገዝ ሚድያና ተጣናኺሩ ሽርሑ ኽሰርሕን ንዓና እውን እቱ ኣብ በይንና ተደሪቱ ዝጸንሐ ወርሓዊ ወጻኢ ዘቃልልን ሰለዝኾነ ንትገብሩልና ሓገዝ ኣቐዲምና ምስጋናና ነቅርብ፣ ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ትግራይ!

Organizer

ADDIS-ALEM BELAY
Organizer
England

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee