' ንሳቶም ከኣ "ንልዓል እሞ ንስራሕ" ኢሎም ነዚ ጽቡቅ ስራሕ እዚ ክሰርሑ ጀመሩ።' ነህ 2፡18
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላክ።
ብመጀመርታ ኩሉኹም ኣብ ዓለም ምሉእ እትነብሩ ሰላም እግዚኣብሄር ይሃልኹም። ናይ እታ መመክሒትናን ኣዴናን ዝኾነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነትን፡ ናይ ኩሎም ሕሩያት መላእኽቲ ተራዳእነትን፡ ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማዕታትን ጸሎት ኣይፈለየና እንዳበልና፡ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ደብረ ገነት ቅድስት ማርያም ሰገነይቲ ብዕለት 05/10/2020 ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ምርድዳእ፡ ቤተ ክርስትያን ሰገነይቲ ኣዝዩ ስለ ዝጸበበ፡ ሓድሽ ቤተ ክርስትያን ንክሰርሕ ብምሉእ ድምጺ ተረዳዲኡ።
ህዝቢ ድማ ኮሚቴ መሪጹ ካብ መንግስቲ ዘድልዮ ወረቃቅቲ ብምስላጥ ነዚ ምዕቡል ቤተ ክርስትያን ንምስራሕ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ይርከብ።
እዚ ልዕሊ 60 ዓመታት ዘቁጸረ ቤተ ክርስትያን ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዘበናዊ ኣገባብ ንምስራሕ ድማ ን ኩሉኹም ኣብ ወጻኢ እትርከቡ ደለይቲ ጽቡቅ ጉዱሳትን ገበርቲ ሰናይን ገንዘብኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባርኮን የብዝሓዮን እንዳበልና ንዋታዊ ሓገዝ ክትገብሩልና ብዓቢ ትሕትናን ፍቅርን ብስም ቤተ ክርስትያን ህዝቢ ሰገነይቲን ንጽውዕ።
In the name of the Father, the Son, and the Holy Spirit, One God Amen!
May God's peace be with you, brothers and sisters living in all corners of the world. It is the prayer of our Holy Church that peace, tranquility, and love be with you throughout your lives.
The Church and the people of Segeneiti decided to build a new saint mary church. The work that has been started is extensive and require a large budget and cannot be done within the capacity of the church and the people of Segeneiti alone.
So, on behalf of the church, we humbly urge all of us to participate in the blessing so that the church grounds can be beautified and the work can be completed.
Any amount is a blessing to our church.
May God bless your generosity.
Matthew 6-19 ‘Lay not up for yourselves treasures upon earth, where moth and rust doth corrupt, and where thieves break through and steal; but lay up for yourselves treasures in heaven where neither moth nor rust doth corrupt and where thieves do not break through nor steal.’

