- S
- I

ሓገዝ ን መዋቲ ሓዉና መዋእል ተስፋኣለም
0% complete
CHF1,290 raised of
24 donations
ሰላም ዝኸበርኩም የሕዋት ኤርትራውያን፡
እዚ ሓውና መዋእል ተስፍኣለም ዝበሃል ከም ኩላትና ተሰዲዱ ሂወቱ ከምሓይሽን ስድራ ቤቱ ክኣልን ብዙሕ ባህግን ድሌትን ዝነበሩ ኮይኑ ከምቲ ኩላትና ዝሓለፍናዮ ሳህራን ባሕርን ሰጊሩ ኣብ ዓመተ 2014 እዩ ኣብዚ ኤሮጳ ኣትዮ።
ከምቲ ኣዴኻ ከምዝበለትካ ዘይኮነስ ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ'ዩ ዝበሃል ስደት ከምዝሓሰቦ ስለዘይጸንሖ ንኣስታት 10 ዓመት ብስእነት ወረቐት ተሳቕዩ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ኽቐያይር ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን ውፈር እሞ ደሓን ኣይትመለስ ኮይንዎ ÷
ብዕለት 26/08/2025 ኣብ ሕክምና ካንቶን ሉዘርን( luzerne) ብድንገት ስለዝዓረፈ እሞ እታ ዘይትክሓድ ኤርትራዊት ነብሲ ኣብ መሬት ዓዱ ሓመድ ድበ ንኽረክብ ኢደይ ኢድካ ኢልና ከነፋንዎ ናይ ኩላትና ግዴታ ስለዝኾነ ዓቕምናን ሕልናናን ዝፈቕዶ ክንገብር ብትሕትና ንምሕጸነኩም
መንእሰይ መዋእል ብዕለት 24/09/1998 ዝተወለደ ከምቲ ኩላትና ንፈልጦ ፍቕሪ ወላዲ ዘይጸገበ ጥራይ ዘይኮነ ወላዲኡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ኣብ ወራር ወያኒ ኣብቲ 3ይ ወራር ኢልና ንጽውዖ 2000 ዓመተ ምህረት ከምተሰውአ ፈሊጥና ኣለና።
ስለዚ ነዚ ሓድጊ ሰማእቲ ዝኾነ መዋእል ተመርዕዩ መስዋእቲ ወላዲኡ ክትክእ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ስድራ ቤት ሕጂ እዛ ሬስኡ ከመይ ጌራ ናብ ኢዶም ትበጽሕ ሓርቢታቶም ኣላ እሞ
ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ንሕና ከኣ ከም ዓቕምና ኣብዚ ሓገዝ ክንሳተፍ ለበዋ ዘየድልዮ ግዴታና ምዃኑ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋ ኢዱ ክሕውስ ንላቦ
ንመዋቲ ሓውና ዘልኣለማዊ ዕርፍቲ ይሃቦ
ኣብታ መሬት ዓዱ ንኽበጽሕ ከኣ ኣምላኽ ይትሓወሶ
ንምሉኣት ስድራ ቤቱ ከኣ ጽንዓት ይሃቦም።
Organizer and beneficiary
Tesfit Ghide
Beneficiary
