
ሓገዝ ንሓውኩም ተስፋልደት ሃብተስላሰ
Donation protected
ሰላምታ ብምቅዳም ከመይ ትኾኑ ኣለኹም፣እምባኣር ኣነ ሓውኩም ተስፋልደት ሃብተስላሰ ዓንደብርሃን ወዲ ሻሸ ዝተባሃልኩ ኣብ ዓዲ ሕሳርየልቦ ደቂ ድግና ዞብ ደቡብ ተወሊደ ኣብ ተሰነይ ዝነብር ኮይነ
ብዓል ሓደርን ኣቦ ቆሉዕን እየ፣ካብ ሃገራዊ ኣገልጉለት ብሕማም ሽኮር ተፋንየ፣
ነብሰይን ስድራይን ኩዳር ሰሪሐ ክኣሊ ጸኒሐ፣ሕጂ ግን ብሃንደበት ክልተ
ኩሊተይ ካብ ስራሕ ወጽኢ ኮይነን ናብ ደገ ከይደ ክሕከም ቦርድ ተባሂለ
ደገ ከይደ ክሕከም ልዕሊ ዓቅመይ ስለ ድኾነኒ ኩሉኹም ዝዓበኩምን ዝነኣስኩምን የሕዋተይን ኣሓተይን
ኤርትራዊን ዕቅምኩም ክትሕግዙኒ እሞ ተሓኪመ ኣቦ ደቀይ ክኸውን
ሓገዝኩም ኣይፈለየኒ ጻማኹም ካብ እግዚኣብሄር ርኸብዎ።
Organizer
Davit Mengstab
Organizer
Viganello, TI