
ህጹጽ ሓገዝ
Donation protected
ናብ፥ ኩሎም መተዓብይቲ ዓሊግድርን - ተሰነይን
መጀመርያ ሰላም ናዓኹም እዞም ደቀይ። ኣነ ስመይ ገብረህይወት ተስፋማርያም ይባሃል። መበቆል ዓደይ ቀይሕ ዓዲ ዞባ ደቡብ ማይ ዓይኒ ኮይነ፡ ኣብ ግዜ እዚ ግን ተቀማጢ ዓሊግድር ኮይነ፡ ኣብ ቅድሚ ናጽነት ኣብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሳቲፈ፡ ብድሕሪኡ ንሱዳን ድሕሪ ምኻደይ ድማ ኣብ 1990 ናብ ዓሊግድር ኣትየ። ብመሰረት መንግስቲ ኣብ ዝመደበኒ ቦታ ይሰርሕ ነይረ። ክሳብ እዚ ሕማም ዝወርደኒ ድማ ንጡፍ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ኮይነ ይሰርሕ ነይረ። ቀጺለ ድማ ኣብ ሕርሻ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ዓሊግድር ድማ ከም ኦፕሬይተር ትራክተር ኮይነ ይሰርሕ ነይረ። ኣብ ሆስፒታል ተሰነይ ድማ ዶክተር ተኽለዝጊ ገብረህይወት ዝባሃል ኣብ ክፍሊ ኤክስረይ ዝሰርሕ ዝነበረን ሃንደበት ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልየን ወላዲኡ እየ። ኣብዘን ዝሓለፋ 3-4 ዓመታት ብሕማም ካንሰር ብዙሕ ተሳቅየ እየ። ሆስፒታል ሓሊበት ውን መጥባሕቲ ገይረ እየ። ካብ ሰለፈይ ብዝተወስደ ስጋ ዝተገብረለይ መጥባሕቲ ውን ተተኲሱ። ብድሕሪኡ ተመሊሰ ከይደ ናብ ሆስፒታል ሓሊበት " ወይ ክትቁረጽ ኣለዋ ወይ ድማ ዓቅሚ ገንዘብ እንተደኣ ረኺብካ ንወጻኢ ከይድካ ክትሕከም" ዝብል መልሲ ተዋህበኒ። ክሳብ ሕጂ ዓቅመይ ፈሊጠ ድማ ብስቅታ ይጓዓዝ ነይረ። ሕጂ ግን ናባኹም ክጥምት ጀሚረ። ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ደቀይ ዝኾንኩም ደቂ ዓሊግድርን ከምኡ ውን ንዶክተር ተኽለዝጊ እትፈልጡ ደቀይን ዓቅምኹም ክትሕግዙኒ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይደ ዝሕከመሉ መንገዲ ክትሕግዙኒ ናባኹም እልምን ኣለኹ። ኣብ ዘለኹሞ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም። ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ይሰዉርኩም።
Organizer
Abraham Kidane
Organizer
England