Main fundraiser photo

To Cover Funeral Expenses for Samuel Haile

Donation protected
The Haile Family announces the passing of Mr. Samuel Welday Haile.

 It is with our deepest sorrow that we inform you the death of our beloved , son , brother & uncle .

Samuel passed away Tragically on December-25- 2022 on Christmas  day .
Those of you who came to know Samuel he is kind , humble, sociable .
 In lieu of flowers and cards, the family of Samuel Haile are setting up a Go-Fund-Me page to help the family cover the funeral expenses. through this very difficult time.
 Thank you so much for your understanding and for your support

ወድና/ሓውና ፥ መንእሰይ ሳሙኤል ወልዳይ ሃይለ፥ ነባሪ ካልጋሪ፡ ካናዳ፡ ብሓደጋ፥ ብድንገት፥ ኣብ ካናዳ ፥ ብሰንበት ፥ታሕሳስ 25፥ 2022 ብሞት ከምዝተፈለየና፥ ብሓዘን ንሕብረኩም። መንእሰይ ሳሙኤል(ሳሚ)፥ ካብቶም ነፍቅሮም ብሃንቀውታ ንጽበዮምን መንእሰያት ደቅና/ኣኅዋትና ኮይኑ፡ ሓያዋይ፥ መፍቀሪ ሰብ፥ ፈታው ስራሕን፡ ፈታዊ ሕዝቡን ካብዝኾኑ መንእሰያትና ሓደ እዩ፡፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓጸርቲ ዕድሜኡ፥ ኣብ ኩሉ መድረኻት ብሓልዮትን ብሓቦን ብምስታፍ ኣብነት ዝኾነ፡ ብዙሕ ራእይን ሰናይ መደብን ፡ ዝነበሮ መንእሰይ አዩ። ስድራቤት መንእሰይ ሳሙኤል፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ርእሲ ሓዘኖም፡ ጉዳይ ቀብርን ስነስርዓት ቀብርን ኣብ ምድላው ይርከቡ ኣለዉ፡፡ ሬሳ መንእሰይ ሳሙኤል፡ግቡእ ክብሩ ክረክብን፡ ስድራቤት ከኣ ካብ ሓዘኖም ምጽንናዕን ኃይልን ምእንቲ ክረኽቡ፡ ፈተውትን ተሓባበርትን ኩላትና፡ ንመቓብርን ንወጻኢታት ቀብርን ክንተሓባበር፡ ብጸሎትን ሰናይ ምንዮትን ንስድራቤት ክንጸናንዖም፡ ሓደራ ንብል፡፡ በዚ ምኽንያት፡ በብዝጥዕመና መንገዲ፡ ብፍላይ ከኣ፡ ብጎፋንድሚ(GO FUND ME)፡ በብወገንና፡ ክንተሓባበር ደጊምና ሓደራ ንብል፡፡ እዚ ኣብ ጊዜ ቀብሪ እንገብሮ ምትሕግጋዝ፡ ሓደ ካብቶም ንኾርዓሎም ባህልታትና፡ ብምኻኑ እንዳተሓበንና፡ ነቶም ሓዘንተኛታት ከኣ፡ ዓቢ ናይ ሞራልን ናይ ገንዘብን ሓገዝ ምኻኑ ኩላትና ንርድኦ ሓቂ እዩ፡፡ ብተወሳኺ፡ በብወገንና፡ ኣብ ምዝርጋሕን ምንጋርን ክንተሓባበር፡ ስድራቤት መንእሰይ ሳሙኤል ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ግዜ ሓዘኖም ኃይልን ጽንዓትን ክህቦም፡ ሬሳ መንእሰይ ሳሙኤል ከኣ ግቡእ መዓርጉ ብምርካብ፡ ሓመድ ኣዳም ክለብስ፡ በብወገንና፡ ኣብዚ ጽንኩር ግዜ ብጸሎት ክነሰንዮም፡ ደጊምና ብትሕትና ሓደራ ንብል፡፡ ንምትሕግጋዝ ጎፋንድሚ ዝምልከት፡ ኣብቲ (contact) ዝብል ብምጥዋቕ፡ ሓበሬታ ክንረክብ ንኽእል ኢና፡፡ እግዚኣብሔር፡ ንነፍስኄር ወድና\ኃውና ሳሙኤል ወልዳይ፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡፡ ንስድራቤትን ፈትወትን ከኣ ጽንዓትን ኃይልን ይሃቦም፡፡ ኣሜን፡፡

 ኣዳለውቲ ጎፋንድሚ
1) ዳኒኤል ዑቕባት
2) ኮኾብ ኪዳነ

Donations 

  • Fisahaye Zerisenay
    • $50 
    • 1 yr
  • Kidanemariam Medhanie
    • $100 
    • 1 yr
  • Saba Beraki
    • $100 
    • 1 yr
  • Habtemicael Berhane Edmonton
    • $100 
    • 1 yr
  • ጻዕዳ ኣብራሃም
    • $500 
    • 1 yr

Fundraising team: Team fundraiser (2)

Daniel Egubat
Organizer
Calgary, AB
Simon Abreha
Beneficiary
Kokob Kidane
Team member

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee