- R
- R
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን መሓዙተይን ዝኾንኩም ኩለኹም ከመይ ኣለኹም? መ/ር ማማይ ኣዳነ ዮሃላሸት 'የ ካብ ሽረ እ/ስላሰ።
በዓልቲ ገዛይ ወይዘሮ የሻለም ኣራኣያ ኣባይ ሓሚማ ኣብ መቐለን ኣዲስኣበባን ንከባቢ 15 ዓመታት ዝኣክል ዝተፈላለየ ሕክምናታትን ፃዕርታትን ብምግባር ካብ ኣሜሪካ ብዝመፁ ጉጅለ ሕክምና ክብድ ዝበለ መጥባሕቲ ገይረሙላ ለውጢ ብዘይምግባር ሕማማ ምስ በኣሰ ናይ ሓንጎል ሕብጠት(Brain Tumor/Paraganglioma) ኣለኪ ተባሂላ ኣብ ሃገረ እስራኤል ምስ ሸባ ሆስፒታል ብ 10,000$ USD ስምምዕነት ጌርና ምስ ምዕባይ ሓዋ ዶ/ር በሪሁ ኣርኣያ ኣባይ ሰዲድናያ።
በዚ መሰረት ንምርመራ ጥራሕ 5400$ ወዲእና ንተወሳኺ ምርመራ 9074$ ዝዋጉኡ ክትገብር እያ ምስበሉና "ንሕና ዓቕሚ የብልናን ክሳብ ሕጂ ብዝገብርኩሞ ምርመራ መሰረት ጌርኩም ሓክምዋ ፕላን ዝሃብኩምና 'ኮ 10,000$ 'ዩ" ምስተበሃለ ዝሃብዎ መልሲ "እቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰደድኩሞ ምርመራን ውፅኢትን ሕጂ ረኺብናዮ ዘለና ውፅኢት ምርመራን ኣዝዩ ብኢሱ ስለዘሎ እቲ ሕብጠት ዓብዪ ስለዝኾነ ብዙሕ ሰራውር ደምን መትንታትን ስለዝነክእ ኣብ ዳሕረዎት ክፋል ሓንጎል Brain Steam ውን ስለዝርከብ ፍልይ ዝበለ ጨረር እዩ ዘድልያ Proton Beam Therapy (Targeted Radiation Therapy) ይበሃል።
ስለዚ 4 ግዜ ዘድልያ (ዝወሃብ ኮይኑ) ዋጋ ሓደ ዙር ጨረር ድማ 40,000 ሸኪል ( 11,400$ usd ) እዩ። ጠቕላላ ን 4 ዙር 45,600$ የድሊ።
ብተወሳኺ ድማ "1ይ ን 2ይ ን ጨረር ለውጢ እንተዘይርኢና 3ይ ን 4ይ ን ዙር ጨረር ኣቋሪፅና ናብ ክብድ ዝበለ መጥባሕቲ እዩ ክእቶ። ነዚ ድማ ብምንፅፃር ካባና ዝሕሸ ኣማራፂ ኣሜሪካ ፣ ጀርመን ወይ ጣልያን እዩ ዝካየድ። ምኽንያቱ እቲ መጥባሕቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ስለዘለዎ'ዩ" ኢሎምና።
ብዚ መሰረት ጨረር እንተዘይተሳኺዑ ፀገምና ይገፍሕ ኣሎ ማለት'ዩ።
ስለዚ ዘለኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ነዚ ፀገምዚ ብምርዳእ 50 ለሚን ንሓደ ሰብ ሸኽሚ ... እዩሞ
ተሓባበርትብ መተሓባብርትን ብምዃን ን ኣዶ 4 ደቀይ ንዝኾነት ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ተሓኪማ ሙሉእ ጥዕናኣ ሒዛ ናብ መረበታ ክትምለሰኒ ፃዕርኹምን ድጋፍኩምን ፀሎት ሓዊስኩም ክትሕግዙኒ ብስም እግዚኣብሄር እምሕፀነኩምን ንትገብሩለይ ድጋፍ ኣቐዲመ የመስግነኩም ።
ሓውኩምን መምህርኩምን መ/ር ማማይ ኣዳነ ዮሃላሸት
+251914742733
Yeshalem Araya Abay
+9720506164078 / +251914742982

