Main fundraiser photo

Support Mulgeta Melake

Donation protected
ሰብን ተስፋን፣ ብሞት ጥራይ'ዮም ዝፈላለዩ ክበሃል ሰሚዕና ንኸውን። እዚ ተራ ነገር ዘይኮነ፣ ንዝርዳኦ ዓሙቚ ዘረባ`ዩ። ምኽንያቱ ተስፍ እንተዘየሎ ኩሉ የሎን ማለት`ዩ። ኣብ ዓለም ብዙሕ ዘደንጹ፣ ዘሕዝን፣ ዘስደምምን ካልእ ነገራትን ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። እንተኾነ ግን ከምዚ መንእሰይ እዚ ሓቦኛን መርኣያን ዝረኣኹም ዉሑዳት ጥራይ ኢኹም። እዚ ዓይነ ስዉርን መሓውርን ብሓደጋ ዝሰኣነ መንእሰይ ኣብ ምዕቡል ዓለም ነይሩ እንተዝከውን ብቕዓቱን ጻዕሩን ርኢኻ ልክዕ ከም Nicholas James Vujicic ኣዝዩ ግኑን ስም ምሃለዎ ነይሩ።

ስነ-ጥበበኛ ሙልጌታ መልኣከ ክልተ ኣእጋሩን ሓንቲ ኢዱን ኣዒንቱን የለዋን። ንሱ ግን ንነብሱ ከም ስንኩል ኣይሓስባን`ዩ። ስንክልና ከኣ ናይ ኣእምሮ እምበር ናይ ኣካል ኣይኮነን። ኣእምሮ ምሉእ እንተ-ኾይኑ ኩሉ ይከኣል`ዩ።
ንሱ ክገብር`የ ጥራይ እምበር ከም መብዛሕትኡ ሰብ ከምዚ እንተኾነ`ዶ ክብል ኣይውዕልን። በዚ ንርእዮ ዘሎና ኣተሓሳስባ ድማ ኣብዚ ደረጃ በጺሑ። መተዓብይቱ ኩሉ ግዜ ብኡኡ ምስ ተደነቑ`ዮም።እዚ ስነ-ጥበበኛ ኣብ መደብ ሽንግርዋ ከም ዕዱም ኮይኑ ሓንቲ ደርፊ ምስ ኣቕረበ`ዩ ህዝቢ ክፈልጦ ክኢሉ፣ ብቕዓቱን ሞራሉን ከኣ ንመን እሞ ዘይተንከየ።

መብዛሕትኡ ሰብ ኩሉ እንከለዎ ከማርር ይስማዕ። ብላይ ኣብ ስደት ዘሎና ብዙሕ ክገብር እናኸኣልና ወልሓንቲ ከይገበርና ጸሓይ ትዓርበና፣ ግዜና ብዘይ ፍረ ይሓልፋ ኣሎ። ክገብር`የ ምስ እንብል ግን ኩሉ ይኸውን፣ ከመይ ዘይከውን። ሙልጌታ መልኣከ ህያው ኣብነት`ዩ።

ስነ-ጥበብኛ ሙልጌታ ሓደ ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ጸለውቲ ሰብ`ዩ። ብሞራሉ፣ ጻዕሩ፣ ምሉእነቱን፣ ሓደ ካብ ንሕብረተሰብ ኣርኣያ ዝኾኑ ሰባት`ዩ። ርኢኻዮ ትድንግጸሉ ዘይኮንካ ትመሃረሉ ዓይነት ሰብ`ዩ። ሙልጌታ ወትሩ ፍሽኽታ ዝኣመሉ ሕጉስ ሰብ`ዩ። ኣብ ግዜ ቁልዕነቱ ብሓደጋ ብከቢድ ሰንኪሉ። ኣደኡ ድሕሪ ስንክልናኡ ኣብ ሕክምና መጀመርያ ምስ ረኣየቶ ‘’ወደይ ሓንካስ ኣንበሳ ክኾነለይ`ዩ” ከምዝበለት`ያ ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት ዝገለጸት። ኣይተጋገየትን ድማ ብርግጽ መልኣከ ጎበዝ ኣንበሳ`ዩ። ኤርትራውያን ናይ ምትሕግጋዝ ሃብታም ባህሊ ኣለና`ሞ ነዚ መንእሰይ ኢደይ ኢድካ ኢልና ንሓግዞ። ንሱ ንሂወት ከምዝወረደቶ ተቐቢልዋ ጥራይ ዘይኮነ ስንክልናኡ መኪቱ ናብ ረብሕኡ ቀይርዎ። ነዚ ኣብነታዊ መንእሰይ ኩላትና ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ስደት ዘሎና ዝከኣለና ሞራላዊን ገንዘባዊን ንዋታዊን ሓገዝ ክንገብረሉ ይግበኣና።

ን ሙልጌታ በዛ ቁጽሪ ብቐጥታ ክትረኽብዎ ትኽቕሉ ኢኹም፣- +291 7710110 ከምኡ ውን ኣብዚ ሊንክ *https://gofund.me/5047d5f4 ብምእታው ከተወፍኡ ትኽእሉ ኢኹም። ምስ ልዑል ምስጋና

እዛ ቪድዮ ናብ ኩሉ ንክትባጻሕ ሓደራኹም ነፍስወከፍና ሼር ንበላ ኣሕዋት .
Donate

Donations 

    Donate

    Organizer

    Yuel Tekle
    Organizer
    England

    Your easy, powerful, and trusted home for help

    • Easy

      Donate quickly and easily

    • Powerful

      Send help right to the people and causes you care about

    • Trusted

      Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee