Main fundraiser photo

Support for Betekrstian Abune Aregawi Senafe

Donation protected
ጻውዒት ሓገዝ ን ቤ/ክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ከተማ ሰንዓፈ!

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኅዱ ኣምላክ ኣሜን።
ናብ ክቡራት፡ብሉጻት፡ሕሩያት ብ ቅድስቲ ስላሴ፡ ኣቡነ ኣረጋዊን ቅዱሳት መላእክትን ዝተሓረኹም ደቅና፡ ኣቀዲምና ዝኸበረ ሰላምታና ይብጻሕኩም፡ብምቅጻል ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ኣብ ናብራኹም ሓጎስ ኣብ ጎዕዞኹም ቅሳነት ኣብ ሂወትኩም ጥዕና ኣብ ገንዘብኩም በረኸትን ሃይማኖትን ዘልዎ ክኸንአልኩም ንምነ። እንበኣር ኩቡራትን ክቡራንን ኣሕዋትናን ደቅናን ኣብ ከተማ ሰንዓፈ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ኣቡነ ኣረጋዊ ካብ ትምስረት ንነዊሕ ግዜ ወሲዳ ኩሉኩም በቲ ሓደ ወገን ኣብ በቢዓድኹም ቤተክርስቲያናት ትሰርሑ ኣለኹም በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ጽጉማት ስድራ ትኣልዩምህላውኩም ንፈልጥ፡ ግና እዚኣ ውን ካባተን ሓንቲ ስለዝኮነት ሓምሳ ለሚን ንሓደ ሰብ ስኽሙ፡ንብዙሓት ጌጾም ከምዝብሃል ኩሉኹም ዓቅምኹም እንተሓጊዝኩሙና ንዓኹም ኣብ ናብራኽም ወላሓንቲ ኣየጉድለልኩምን እካ ደኣ ይብርክት ጸጋ ኣቡነ ኣረጋዊ ተኻፈልቲ ትኾኑ።

ኣቡነ ኣረጋዊ ካብዞም ኩሎም ጻድቃናት ዘይሞቱ ብሂወት ዘለዉ ንዓለም ከድሕንዋ ብስላሴ ዝተሓርዩ ጻድቕ እዮም። ሸለል ኢልኩም ኣይትራይዎ ገንዘብካ ፈቲኻ ዝሃብካዮ ናብራኻ ኣየጉፍልን እዩ። ሓያል እንተ ወሲዱልካ ጥራሕ እዩ ዝጎድል። ኣይኮነንዶ ነዞም ሕሩይ ጻድቅ'ሲ ንማንም ሰብ እንተ ሃብካዮ መሊሱ እዩ ዝስስን ስለዚ ክብራንን ክቡራትን እዛ ቤተክርስቲያን እዚኣ ንኩሉኹም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዓቅምኹም ዝፈቅዶ ክትሕግዝዋ ጻውዒትናን ልማኖናን ነቅርብ።ናቶም ጸበል ኣብ ጅባኡ ዝሓዘ ወላ ኣስላማይ እውን እንተኮነ፡ ኣራዊት ኣይትንክፎን እዩ። ስለዚ ነዚ ሸለል ኣይንበል፡እዞም ኣሕዋትናን ደቅናን ወለድኹምን ኣሕውትኩምን ኣንጸላሊና ዝነበረ ደመና ብሳላ ኣቡነ ኣረጋዊን ቸርነት ቅድስቲ ስላሴን ቅንጥጥ ኢሉልና። ስለዚ ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበለሎም እዞም ኣሕዋትና በሉ ስላሴ ቅዱስ ፍቃዶም ኮይኑ ገጽ ንገጽ ንረኣኣየላ መዓልቲ ይሃበና። ኣብ ዘለኩሞ ድማ ዓለም ብሓጎስ ወድእዋ። ኣባላት ኮሚተ ህንጻ ደብረ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርድቲያን ከተማ ሰንዓፈ።

ወከልቲ

ዳዊት ኩዳነ
ሙሉእ ሃ/ማርያም
Donate

Donations 

    Donate

    Organizer

    Dawit Kidane
    Organizer
    England

    Your easy, powerful, and trusted home for help

    • Easy

      Donate quickly and easily

    • Powerful

      Send help right to the people and causes you care about

    • Trusted

      Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee