ብመጀርያ ሰላም ኣምላክ ምስ ኩልኹም ይኹን ብዘይ ኣፈላላይ:: ብምቅጻል ..ኣነ ሰናይት ብርሃነ ሃ/ጋብር ዝተባሃልኩ ኣብ ከተማ ኣሰመራ ም/ሕዳር ገጀረት ተወሊደ ዝዓበኹ ድሕሪ መርዓይ ድማ ኣብ ጎዳይፍ ምስ ሓሙሽተ ደቀይን ባዓል ቤተይ ገዲም ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ኣልታሕሪር ኣብርሃም ኣስመላሽ(ላፋ) ዝነብር ዘለኹ ሓፍትኩም ኣብ'ዚ ሕጂ ሳዓት ኣብ ኤርትራ ብሕማም ናይ ርእሲ ካንሰር ዝሳቀ ዘለኩ ሕጂ ድማ ናብ ወጻኢ ሃገር ኼድኪ ኽትሕከሚ ትክእሊ ኢኪ ስለ ዝተባሃልኩ እቲ ተባሂለዬ ዘለኩ መጠን ገንዘብ ድማ ንዓይን ቤተሰበይን ልዕሊ ዓቅምና ስለ ዝኮነ የሕዋተይን ኣሓተይ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለኩም ዓዓቅምኩም ኽትሕጉዙኒ ብስም ፈጣሪ ይልምነኩም ኣለኩንትገብሩለይ ሓገዝ ሓልዮት ጾሎትን ኣቀዲመ የመስግን:: share copy link እውን ዓባይ ሓገዝ እያ'ሞ ብዝተካእለና መጠን share ንበሎ:: ፈጣሪ ትደሊዋ ዘበለ ይሃብኩም ካብ ኩፉእ ዝበለ ይሓልኩም ወኺላት ቴሌፎን. ናይ ካናዳ ወልድኣብ ተወልደ . ናይ ነርወይ ዳኖም ዮናስ. ናይ ኤርትራ ኣብርሃም ኣስመላሽ
First of all, God's peace be with you all without discrimination:: Next ..I am Senait Berhane Ha/Gabir born and raised in Asmara, M/Hidar Gejret and after my marriage in Godayf with my five children and my husband, former football player of Al Tahrir Abrahaley Asmelash(Lafa) I am your sister who is currently suffering from head cancer in Eritrea and now I have been told that you can go abroad for treatment and the amount I am being told is beyond my means and my family and sisters in all corners of the world so please I am asking you to help me as much as you can in the name of God.Thank you in advance for your help, care and prayers.
contacts

