Main fundraiser photo

ድምጽናን ድምጺ ህዝብን ኣይክዕበስን እዩ

Donation protected
ኣብዚ ሰዓት ኩሉኹም ክትከታተልዎ ከምዝጸናሕኩም ልዕሊ $ 250 ሽሕ ዶላር ዝግመት ካብ ህዝብን፣ ብጻዕሪ ኣባላትን ዝተኣከበ ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተታሒዙ ኣሎ። እቶም ኣብ ቅድሚት ወጺእና ንህዝቢ ኣገልግሎት ክንህብ ዝጸናሕና ጋዜጠኛታት፣ ኣርታዕቲ ፡ ኣንበብቲ ዜናን፣ ምሕደራን ነቲ ተቃሪጹ ዝጸንሐ ስርሕ ክንቅጽሎን፣ ህዝብና እዋናዊ ሓበሬታ ብመንገዲ ሳትላይትን፣ ማሕበራዊ ሜድያን ንኽረክብን ሓገዝ ንሓትት ኣለና። ኣብዚ ዝመጽእ ግዜ ድማ ህዝቢ ብዘሳትፍ ሓድሽ ምሕደራ ክንገብር ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ሓንጺጽና ተበጊስና ከምዘለናን ክንሕብር ንፈቱ። ስራሕና ንምክያድ ወጻኢታት ናይ ሳትላይትን፣ ምሉእ ግዚኦም ሂቦም ንዝሰርሑን ካልእን ወርሓዊ ናይ $16,500 ዶላር ባጀት የድልየና። ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ህዝብና፣ ድምጺ ንሙዃን ብዘይ ወዓል ሕደር፣ መደባትና ክንቅጽል ክተቅርቡልና ንዝጸናሕኩም ጻውዒት ንምትግባር ኩልና ፈጸምቲ ስራሕ ብተወፋይነት ተበጊስና ከምዘለና ክንሕብረኩም ደስ ይብለና፣ ንስኹም ድማ ኣብ ጎንና ከምትኾኑ ምሉእ እምነት ኣለና። ስለቲ ኩሉ ዝተፈጥረ ሽግርን፣ ንዝሓለፈ 21 መዓልቲ ዝተቃረጸ ናይ ፈነወ መደባትን፣ ንኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኩልና ኣባላት ፈጻሚት ኣካል ልባዊ ይቅሬታ ንሓትት። ኣብዚ ዝመጽእ ናይ ቃልሲ መድረኽ ድማ ክንክሕሰኩም ተስፋ ንገብር።

Help Henok and His team to continue serving the oppressed Eritrean people through their media and awareness work. in the last four years, through their collective work, our people in Eritrea were able to get social, political, cultural and entertainment programs through satellite Television. With out the works of those dedicated journalist and content creators, our people in Eritrea will be in darkness in the era of information. Let’s help those dedicated teams to fill the information gap in our community.
Thank You
Donate

Donations 

  • abeba tuku
    • $70 
    • 26 d
  • Marta Negash
    • $100 
    • 2 mos
  • Efrem Tedla
    • $50 
    • 2 mos
  • Mussie Tesfamicael
    • $150 
    • 2 mos
  • Anonymous
    • $100 
    • 2 mos
Donate

Organizer

Henok Tekle
Organizer
Seabrook, MD

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee