Main fundraiser photo

Raymok Kaleab is Asking for help

Donation protected
ዝኸበርኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን

ብመጀመርያ ካብ ኣፋፌት ሞት ወጺአ ኣብ'ዚ ዘለኹዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ብገንዘብ፡ ብሞራልን ጾሎትን ዝሓገዝኩምኒ ብስም ልዑል እግዚኣብሄር ፈጣሪ ደጊመ ምስጋናይ የቕርበልኩም። ኣኣብ ዘለኹሞ ምሉእ ጥዕናን ቅሳነትን ክህልወከም ከኣ ናይ ወትሩ ጾሎተይ ኢዩ።

ከምዝፍለጥ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብዝገበረለይ ፊናንሳውን ሞራላውን ሓገዝ ኣብ ሃገረ ታይላንድ ሕክምናዊ ክንክን ክገብር ጸኒሐን ኣለኹን። ኣብ ኣዝዩ ዝሓሸ ደረጃ ድማ ይርከብ ኣለኹ። ካብ ብዊልቼር ብእግረይ ናብ ምኻድ፡ ካብ ጸልማት ናብ ምርኣይ፡ ካብ ብሰብ ምእላይ ናብ ባዕለይ ነብሰይ ዝኣልየሉ ደረጃ ተሰጋጊረ እግዚኣቢሄር ይመስገን።

እንተኾነ ግን እዚ ሕክምናዊ ክንክን ብገንዘብን ብግዜን ካብ'ቲ ዝተገመተ ንላዕሊ ኮይኑ ረኺበዮ። ኣብዚ ዘለኹዎ ደረጃ ምስ ዘቋርጾ ድማ ኣብ'ቲ ዝነበርኩዎ ኩነታት ናይ ምምላስ ዝዓበየ ዕድል (High probability) ከምዝኾነ በቶም ክንክን ዝገብሩለይ ዘለው ሓካይም ስለ ተነጊሩኒ። መሊአ ሓውየ ኣደ ደቀይ ንኽኸውን ሕጂ እውን ዳግማይ ሓገዝኩም ይሓትት ኣለኹ።

እቶትኩም ይበርክተልኩም ድራርኩም ይባርኸልኩም።

Donate

Donations 

    Donate

    Organizer

    Ghebru Weldemichael
    Organizer
    Dallas, TX

    Your easy, powerful, and trusted home for help

    • Easy

      Donate quickly and easily

    • Powerful

      Send help right to the people and causes you care about

    • Trusted

      Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee