
Raymok Kaleab is Asking for help
Donation protected
ዝኸበርኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን
ብመጀመርያ ካብ ኣፋፌት ሞት ወጺአ ኣብ'ዚ ዘለኹዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ብገንዘብ፡ ብሞራልን ጾሎትን ዝሓገዝኩምኒ ብስም ልዑል እግዚኣብሄር ፈጣሪ ደጊመ ምስጋናይ የቕርበልኩም። ኣኣብ ዘለኹሞ ምሉእ ጥዕናን ቅሳነትን ክህልወከም ከኣ ናይ ወትሩ ጾሎተይ ኢዩ።
ከምዝፍለጥ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብዝገበረለይ ፊናንሳውን ሞራላውን ሓገዝ ኣብ ሃገረ ታይላንድ ሕክምናዊ ክንክን ክገብር ጸኒሐን ኣለኹን። ኣብ ኣዝዩ ዝሓሸ ደረጃ ድማ ይርከብ ኣለኹ። ካብ ብዊልቼር ብእግረይ ናብ ምኻድ፡ ካብ ጸልማት ናብ ምርኣይ፡ ካብ ብሰብ ምእላይ ናብ ባዕለይ ነብሰይ ዝኣልየሉ ደረጃ ተሰጋጊረ እግዚኣቢሄር ይመስገን።
እንተኾነ ግን እዚ ሕክምናዊ ክንክን ብገንዘብን ብግዜን ካብ'ቲ ዝተገመተ ንላዕሊ ኮይኑ ረኺበዮ። ኣብዚ ዘለኹዎ ደረጃ ምስ ዘቋርጾ ድማ ኣብ'ቲ ዝነበርኩዎ ኩነታት ናይ ምምላስ ዝዓበየ ዕድል (High probability) ከምዝኾነ በቶም ክንክን ዝገብሩለይ ዘለው ሓካይም ስለ ተነጊሩኒ። መሊአ ሓውየ ኣደ ደቀይ ንኽኸውን ሕጂ እውን ዳግማይ ሓገዝኩም ይሓትት ኣለኹ።
እቶትኩም ይበርክተልኩም ድራርኩም ይባርኸልኩም።
Organizer
Ghebru Weldemichael
Organizer
Dallas, TX