
For the Funeral Service of Petros Abraha
ብልቢ እንፈትዎን እነፍቅሮን ኣቦና: ሓውናን ብጻይናን ጴጥሮስ ኣብርሃ ታሕሳስ 24: 2020 ብሃንደበት ብሞት ተፈልዩና። ጴጥሮስ ኣብ መጀመርያ 80ታት ናብ ስያትል ድሕሪ ምምጻእ ኣብ ኣላስካ ኣየር መንገድን ኣብ ቦይንግን እናሰርሐ ቤተሰቡ ክኣሊ ጸኒሑ ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምስራሕ ጥሮታ ወጺኡ ።
ጴጥሮስ ዕጉስ ፈታው ሰቡን ህዝቡን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝካየዱ ናይ ሕብረእስብና ጉዳያት ንጡፍ ተሳትፎ ከምዝንበሮ ይፍለጥ።
ጴጥሮስ ጥሮታ ወጺኡ ኣብ'ቲ ዘዕርፈሉ እዋናት ብሃንደበት ዝፈትውም ቤተሰቡን ኣዕሩኽቱን ገዲፉ ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ስለ'ዚ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ርዱእ ምኽንያት ብሓንሳብ ተኣኪብና ንቤተሰብን ነንሕድሕድናን እንጻናንዓሉ እዋን ስለዘይኮነ ከም'ቲ ልሙድ ባህልና ኣብ'ቲ ብስም ጴጥሮስ ኣብርሃ ተዳልዩ ዘሎ ናይ GoFundme ብምኻድ ሓገዝና ከነወፊ ብትሕትና ንሓትት።
ብዛዕባ ፍትሓትን ቀብርን ዝምልከት ኣብ ዝቕጽል ክንሕብር ኢና።
ሕሰም ኣይትርከቡ
ቤተሰብ
Dear Family and Friends
We would like to inform you of the sudden passing of Ato Petros Abraha on December 24, 2020. Ato Petros lived in the greater Seattle area for the last 36 years. He started working at Alaska Airlines and then retired from Boeing
During all the years in Seattle, he had been actively involved with the Eritrean Community. He was loved by his family, his friends and he will be greatly missed. He is survived by his children, Simon, Salem, Ezana and grandchildren.