ህጹጽ ጻውዒት ሕክምናዊ ሓገዝ ንጓልና ኣዛሄል ተስፋኣለም ኣሚነ!

  • B
  • K
61 donors
0% complete

€4,195 raised of €50K

ህጹጽ ጻውዒት ሕክምናዊ ሓገዝ ንጓልና ኣዛሄል ተስፋኣለም ኣሚነ!

Donation protected
ህጹጽ ጻውዒት ንሕክምናዊ ሓገዝ ንጓልና ኣዛሄል ተስፋኣለም ኣሚነ!

ናብ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ክቡራት ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኩልኹም ፈተውትን ገበርቲ ሰናይን።


ንሕና፡ ኣቶ ተስፋኣለም ኣሚነ ኢማም ምስ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ጽገሃና ማና ድገ ዝተበሃልና ኣድራሻና ዓዲ ኢራ ላዕላይ ንኡስ ዞባ ዓዲተከሌዛን ዞባ ዓንሰባ ዝነበርና ኰንና ፡ ሕጂ ግን ምቅማጥና ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ዓዲ ዛግር ንርከብ ኣሎና ፥ ንእሽቶይ ጓልና ኣዛሄል ተስፋኣለም ኣሚነ ፡ ጓል ትሽዓተ (9) ዓመት፡ ብዘጋጠማ ሃንደበታዊ ሓደጋ ማህረምቲ ኣብ ርእሳ ከቢድ ናይ ሽክና ርእሲ ማህሰይቲ ስለዘጋጠማ፡ ከቢድ ናይ ሓንጎል ጉድኣት ወሪዱዋ ኣሎ። ሕክምንኣ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን ልዕሊ ዓቕሞም ስለዝኾነ፡ ብውሳነ ቤት- ምኽሪ ሕክምና (Medical Board) ናይ ኤርትራ ናብ ሃገረ ጀርመን ተላኢኻ ክትሕከም ተወሲኑላ ኣሎ።


እንተኾነ እቲ ዘድሊ ወጻኢታት ናይ ሕክምና ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝዀነ፡ ናብ ኩልኹም የሕዋት ፈተውትናን ገበርቲ ሰናይን ንሓገዝኩም ኢድና ናባኹም ንዝርግሕ ኣለና። ሂወት ጓልና ንምድሓን እዚ ሕክምና'ዚ ኣዝዩ ህጹጽ ኢዩ ዘድልያ ዘሎ። ክኢላታት ሓካይም ከምዝገለጹልና፡ ኣብዝሓጻረ ግዜ ክትሕከም እንተዘይክኢላ፡ ተኽእሎ ምንባራ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑን ሂወታ'ውን ብስቓይ ዝተመልአ ከምዝኸውንን ክሳብ ሞት ከብጽሓ ከምዝኽእልን ኣጠንቂቖሙና ኣለዉ። ስለ'ዚ ነዚ ከቢድ ሽግርና ተረዲእኩም፡ ዓቕምኹም ዝፈቐዶ ክትሕግዙና፡ ከምኡ'ውን ሼር ብምባል ናብ ኩሉ ክባጻሕ ክትተሓባበሩና ኣብትሕቲ ፈጣሪ ብትሕትና ሓገዝኩም ንሓትት ኣለና።


ንእትገብሩልና ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ኣቐዲምና ካብ ልቢ እናኣመስገና፡

ሓገዝኩም ከተበርክትሉ እትኽእሉ መንገዲታት በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትረኽቡና ትኽእሉ።

ብመንገዲ GoFundMe:
(ኣብ'ዚ ነቲ ናይ GoFundMe መላግቦ/ሊንክ ብምእታው





Donate

Organizer

Awet Amine
Organizer
Munich
  • Medical
  • Donation protected

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee