Main fundraiser photo

Medical help for Egziaharia Okbay Kiflom

Donation protected
ጻውዒት ሓገዝ

ፍጹም ሰላም ናይ  ኣምላኽናን መድኃኒናን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን። ልዑል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ጉዕዞኹም ኩሉ ሰናይ ዘበለ ነገር ክህበኩም እናተመነና፡ እዛ ኣብ ታሕቲ እንርእያ ዘለና ኣብ ከባቢ ዕድመ 40 እትርከብ ስማ እግዝሃርያ ዑቕባይ (እዝጎም) ዝተባህለት ኣደ 5 ቆልዑ፡ ብዓልቲ ቤቱ ንዘርኣይ መርሃውዝጊ ተቐማጢት ደቂ - ሸሓይ  ብናይ ጡብ መንሽሮ (Breast Cancer) ትሳቐ ስለዘላ፡ ዋላ'ኳ ግቡእ ባህላውን ዘማናውን ሕክምናዊ ምክትታል እናገበረት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብን ሕክምናዊ መሳለጥያታትን ግን ለውጢ ክትገብር ኣይከኣለትን። ኩሉና ከም እንፈልጦ ዘለናዮ ግዜ ቤት ጽሕፈታት ኬድካ ፓስፖርትን ካልእን ከታስልጥስ ይትረፍ ዕለታዊ መነባብሮኻ ክትገብር እኳ ኣሸጋሪ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ተወሳኺ ጸገም ፈጢርላ ይርከብ። እምብኣር ዝኸበርኩም ሰብ ሕልናን ገበርቲ ሰናይ ኣሕዋትን፡ ካብቲ ዝቕበል'ሲ እቲ ዝህብ ኣዝዩ ይባረኽ'ዩሞ ዓቕምና ዝፈቀዶ ነዛ ኣደ ንምሕጋዝ በዚ ኣብ ታሕቲ ተኸፊቱ ዘሎ ናይ go fund me link ኣቲና ዓቕምና ከነበርክት፡ እቶም credit card access ዘይብልና ድማ ናብዞም ወከልቲ ብምድዋል ካብቲ በረኸት ክንሳተፍ ቅዱስ እግዚኣብኄር ይደግፈና። እግዚኣብኄር ካብዚ ወሪድዋ ዘሎ ሕማም ብምሕረቱ ክበጽሓ ድማ ብጸሎት ንደግፋ።  ብቐጥታ ረኺብኩም ከተጸናንዕዋን ከተበራትዕዋን ምስ እትደልዩ ድማ ቴለ~ 07723417 እዝጎም ኢልኩም ክትረኽብዋ ይከኣል።
ኣምላኽ ነዚ ንዓለምና ወሪድዋ ዘሎ ሕማም ቀንጢጡ ምሕረቱን ሰላሙን የውርደልና። ስለ'ቲ እትገብሩልና ሓገዝ ዓስብኹም ካብ እግዚብሄር ተኸፈልዎ ንብል።
ምሉኣት ስድራ-ቤት


ሓይልኣብ ዑቕባይ    +12265055928  Canada
መንግስትኣብ መርሃዊ +13063514290
ተስፋይ ወልደማርያም   0546167946  Israel
ዮናስ ተስፋጽዮን።         0921782856  S. Sudan
ቴድሮስ ዑቕባይ           0940975394   Ethiopia
ተኽሎም (ራሻ)            0922291422   Angola
ገብረ ሃብተ                 +4745544681  Norway
ተኽልኣብ ሃብቶም    +61405646407 Australia
Donate

Donations 

    Donate

    Organizer and beneficiary

    Mengsteab Zerai
    Organizer
    Kitchener, ON
    Hailab Kiflom
    Beneficiary

    Your easy, powerful, and trusted home for help

    • Easy

      Donate quickly and easily

    • Powerful

      Send help right to the people and causes you care about

    • Trusted

      Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee