Let’s help Bereket to get his eye sight again

  • E
  • M
73 donors
0% complete

£6,802 raised of £9K

Let’s help Bereket to get his eye sight again

Donation protected
ህጹጽ ሓገዝ
እዚ ስእሉ ኣብ ላዕሊ ንሪኦ ዘለና መምህር በረኸት ሃይለ ተሰማ ይበሃል። ንሱ ኣብ 1977፣ ዓዲ ባዕከል ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ። ጎዩ ከይጸገበ፣ ጠሚቱ ከይዓገበ ከኣ፣ ኣብ 7ይ ዓመቱ ብዘጋጠሞ ሓደጋ የማነይቲ ዓይኑ ስኢኑ። መም/ በረኸት ኣብ 1987 ትምህርቱ ብምጅማር፣ ካብ 1ይ ደረጃ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ጎዳይፍ፣ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ተኸታቲሉ። ኣብ 1999 ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብምእታው፣ ብዓውዲ ታሪኽ ብቐዳማይ ዲግሪ ትምህርቱ ወዲኡ። ኣብ 2021 ካብ ኮሌጅ ስነ-ምምህርና ብደረጃ ድሕረ-ምርቓ ናይ ሓደ ዓመት ትምህርቲ ብምክትታል ክምረቕ በቒዑ። መምህር በረኸት ኣብ 2003 ካብ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምምራቑ፣ ፈለማ ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ደንደን፣ ቀጺሉ ድማ ናብ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ተዘዋዊሩ፣ ክሳዕ ጥቅምቲ 2024 ከም መምህር ክሰርሕ ጸኒሑ።
መምህር በረኸት፣ በታ ዝነበረቶ ጸጋመይቲ ዓይኑ እናተጠቕመ፣ ኣብ ስርሑን ምንቅስቓሱን ሓገዝ ሰብ ከይደለየ ክጓዓዝ ጸኒሑ። ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ሃንደበት ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2024፣ እቲ ኣቐዲሙ ክሪኦ ዝጸንሐ ነገራት’ውን ምርኣይ ከሊኡዎ። ኣብ ሕክምና ብርሃን ዓይኒ ኣስመራ ብምኻድ ግቡእ መርመራ ኣካይዱ። ብዕለት 31/10/2024 ብሱዳናዊ ሓኪም ዓይኒ መብጣሕቲ ተጌሩሉ’ኳ እንተነበረ፣ ዝኾነ ዝመጸ ለውጢ ግን የሎን። ብክኢላታት ሕክምና ዓይኒ ዳግማይ ምስዝተመረመረ ግና፣ ኣብ ረቲና ዝተባህለ ክፋል ዓይኑ ተሃስዩ ስለዘሎ፣ ብህጹጽ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብምኻድ ናይ ረቲና መጥባሕቲ ክገብር ከምዘለዎ ብሜዲካል ቦርድ ተሓቢሩዎ። መም/በረኸት መነባብሮኡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብምዃኑ፣ ስድራቤት፣ ፈተውትን መሳርሕቱን ብዝወሰድዎ ውልቃዊ ተበግሶ፣ ንመጓዓዝያን ፓስፖርትን ዝኸውን ገንዘብ ተዋጺኡሉ፣ ናብ’ቲ ዝሓሸ ሕክምና ኣለዎ ዝበሃል ሃገረ ህንዲ ንምኻድ ኣብ መስርሕ ምስላጥ ይርከብ ኣሎ። እንተኾነ፣ ነቲ ዘድሊ መጥባሕቲ ዝተሓተተ መጠን ገንዘብ ኣስታት 17,000.00 ዶላር ኣመሪካ ብምዃኑን እዚ ድማ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስለዝኾነን፣ ናይ ኩሉ ገባሪ ሰናይ ሓገዝ ይሓትት ኣሎ።
መም/ በረኸት ኣብ ጥሪ 2018 ምስ ወ/ሮ ትዕግስቲ መስፍን ቃል ኪዳን ብምእሳር ሓዳሩ ዝመርሕ ዘሎ ኮይኑ፣ ከም ቀድሙ መሊኡ ንክርኢ ህጹጽ ናይ ሓገዝ ኣእዳውና ንዘርጋሓሉ።

ክቡራት ኣሕዋት፡ ኣብታ ዶኔት (Donate) ምስኣተኹም፡ ቅድሚ ዶኔት ምጥዋቅኩም፡ ገንዘብ ምስኣእተኹም፡ ኣውቶማቲካሊ ባዕሉ እቲ ጎፋንድሚ ( gofundme) ቲፕስ (tips) ክወስድ ክፍትን እዩ ፡፡ ኩሉ እቲ ትውፍዩዎ ገንዘብ ንመም/በረኸት ምእንቲ ክበጽሕ ግና፡ ኣብታ ትሕቲ'ታ ገንዘብ ዘላ ቲፕስ ወይ ሞቕሽሽ ኣቲኹም፡ ኤዲት (edit) ቀይርኩም ዜሮ (0) ግበሩዋ፡፡ የቐንየለይ

If you need any clarification or want to ask anything please contact me with my WhatsApp number 00447738459429.


Or alternatively:
መም/ በረኸት ሃይለ or +91 92203 90419 in India.

Thank you❤️

Organizer

Mehari Teweldebrhan
Organizer
England
  • Medical
  • Donation protected

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee