Main fundraiser photo

ላውራ፡ stage 3 ናይ ማህጸንን ጡብን መንሽሮ

Donation protected
ላውራ፡ stage 3 ናይ ማህጸንን ጡብን መንሽሮ

ብቀዳምነት ንኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም እትርከቡ ኣሕዋተይ ሰላምታይ አቕርብ: ኣነ ላውራ ማሕሙድ ዝተባህልኩ ብናይ ቤት ትምህርት ሰውራ ኣጸዋውዓ ናውረት ማሕሙድ ዓብዱ እበሃል። ስድራይ ገዳይም ተጋደልቲ ኣቶ ማሕሙድ ዓብዱ ዓዲ ኣሸራ ወይዘሮ ዑቕቢት ተዓገስ ዓዲ ዓተከሌዛን (ሰራሕተኛ ሆስፒታል ከረን እንዳ ዓይኒ)፡ ኣነ ድማ ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ: ወደይ ባዕለይ ዘዕቢ ዘለኹ ኣደ ሓደ ቆልዓ እየ።

ኣነ ወሪዱኒ ዘሎ ከቢድ ናይ ጥዕና ሽግር ክገልጽ ሓገዝ ውን ክሓትት፡ ንስኹም ከኣ ግዜኹም ሰዊእኩም ታሪኸይ ብምስማዕኩም ክብረት ይሃበልይ።
ኣነ ሓፍትኹም ናይ ማህጸን ካንሰር ወይ epithelial ovarian cancer ዝብሃል ከም ዘለኒ ኣብ 20/6/2021 ብዶክተር ተሓቢሩኒ። እዚ ካንሰር ዘስዓቦ ብርቱዕ ቃንዛ፡ ዘየቋርጽ ምፍሳስ ደም: መንፋሕቲ ከብዲን ክጻወሮ ስለ ዘይከኣልኩ ብሓገዝ ሓንቲ ቀራቢተይ ውልቀሰብ ናይ 6 ወርሒ chemo treatment ወሲደ: ቁሩብ ጥዕናይ ተመሓዪሹ። ደሓን ኣለኹ አንዳ በልኩ ግን ናይ ማህጸነይ መንሽሮ ናብ ናይ ጡብ መንሽሮ (stage 3) ተላቢዑ። እዚ ወሪዱኒ ዘሎ ናይ ጡብ መንሽሮ (TNBC Triple negative breast cancer) ብጥረ ጀሚሩ ብደም ናብ ኩሉ ብቀሊል ስለ ዝላባዕ፡ ብቅልጡፍ እንተዘይተፈዊሱ፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ክላባዐ ከም ዝኽእል ዶክተር ሓቢሩኒ።
ንዝሓለፈ ዓመትን 6 ወርሕን ዝወረደኒ ሃንደበታዊ ከቢድ ሕማም፡ ሰብ ከይነገርኩ መሬት እናጸልመተኒ ንዝነበረኒ ብርቱዕ ቃንዛ ተጻዊረ: ሰብ ከይ ፈልጥ አንዳ በልኩ ሐቢአዮ ሓሊፈ ሓባእ ሕማሙ ሓባእ ፈውሱ ከም ዝበሃል ሕጂ ግና ቃንዛ በርትዑኒ፡ ደም ምፍሳስ በዝሑኒ፡ ከቢድ ድኻም ውን ስለ ዝገበረለይ: ዶክተር መጥባሕቲ ናይ መንሽሮ ማህጸንን ጥቡን ንኽገብር ምስኡ ድማ ፍወሳ treatment ንክጅምር ሓቢሩኒ። እዚ ተኣዚዙለይ ዘሎ ክልተ ዓይነት ናይ መንሽሮ ፍወሳ (cancer treatment) ልዕሊ ዓቅመይ ስለ ዝኾነ፡ ንኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዘለኹም ኣሕዋተይ ሓገዝ እሓትት ኣለኹ። ብእትገብሩለይ ሓገዝ ቀልጢፈ ተሓኪመ፡ ተፈዊሰ ኣደ ሓደ ወደይ ክኸውን ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ። ዘውጻእክሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዕጽፊ ጌሩ ሽሻይኩም ይባርኸልኩም፡ የቀንየለይ


Donate

Donations 

    Donate

    Organizer

    Abraham Asmerom
    Organizer
    Dallas, TX

    Your easy, powerful, and trusted home for help

    • Easy

      Donate quickly and easily

    • Powerful

      Send help right to the people and causes you care about

    • Trusted

      Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee