ሓገዝ ንመሓከሚ ዓይኒ ሓውና ብእምነት ሓጎስ ቀላቲ

ሓገዝ ንመሓከሚ ዓይኒ ሓውና ብእምነት ሓጎስ ቀላቲ campaign photo, 1 of 2ሓገዝ ንመሓከሚ ዓይኒ ሓውና ብእምነት ሓጎስ ቀላቲ campaign photo, 1 of 2

  • A
297 donors
Fundraiser’s main image
0% complete

$19,983 raised of $75K

ሓገዝ ንመሓከሚ ዓይኒ ሓውና ብእምነት ሓጎስ ቀላቲ

ሓገዝ ንመሓከሚ ዓይኒ ሓውና ብእምነት ሓጎስ ቀላቲ

0% complete

$19,983 raised of $75K

297 donations
ኣነ ሓውኹም ብእምነት ሓጎስ ቀላቲ ዝተበሃልኩ፡ ኣብ ባጽዕ ተወሊደ ዓብየን ተማሂረን፡፡ ናይ ላዕለዋይ ትምህርተይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ካብ 1998 ክሳብ 2002 ድሕሪ ምምሃረይ ኣብ 2003 ብዲግሪ ተመሪቐ፡፡ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከኣ ብከቢድ ናይ ዓይኒ ጸገም ተፋንየ፡፡ ከቢድ ናይ ዓይኒ ጸገም እናተጻወርኩ ሃንደበት ብዕለት 09 መጋቢት 2019 የማነይቲ ዓይነይ ዓዊራ(retina detachment ) ካብ ኣስመራ ንደገ ሪፈር ተባሂለ፡፡ ህጹጽ ስለዝነበረ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ መጥባሕቲ ኣካይደ፡፡ እቲ መጥባሕቲ ዕዉት ኣይነበረን፡፡ ክሳብ 19 ለካቲት 2020 ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለስኩ 4 ግዜ ናይ ረቲናን ካታራክትን መጥባሕቲ ኣካይደ፡፡ ነዚ ኩሉ ድማ ከባቢ 6000 ዶላር ኣመሪካ ወዲኡለይ፡፡ እዚ ገንዘብ እዚ ልዕሊ ዓቕመይ ስለዝነበረ ቤተሰበይን መማህርተይን ሸፊኖምለይ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኮፍ ኢለ ሕክምናይ መታን ክከታተል በዓልቲ ቤተይ ክትኣልየኒ ምስ ህጻን ጓለይ ምሳይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣለዋ፡፡ ብዘይ ዝኾነ ስራሕ ካብ ዝሓለፈ 2019 ክሳብ ሕጂ ሕክምናይ ኣብ ምክትታል እርከብ፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ 2 ወርሒ ናብ ሓኪመይ ምስ ከድኩ የማነይቲ ዓይነይ ለውጢ ከምዘይገበረት፡ ጸጋመይቲ እውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ትርከብ ገሊጹለይ፡፡ እዚ ልዕሊ ዓቕሙ ስለዝነበረ፡ ናብ ቦርድ ኮሚተ ሓሊፈ፡፡ ቦርድ ኮሚተ ብዝገበሩለይ ምርመራ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ሶለዝኾነ ናብ ደገ ከይደ ክሕከም ወረቐት ሂቦምኒ፡፡ ክቡራት ኣሕዋተይ ንደገ ከይደ ክሕከም ኣስታት $50,000 ዶላር የድልየኒ ኣሎ፡፡ ነዚ ዝኸውን ዓቕሚ ስለዘይብለይ ዓቕምኹም ዘዝፈቕዶ ክትሕግዙኒ እልምነኩም፡፡ እግዛብሄር ዘልዓልክምዎ ይተክኣልኩም፡፡ ጸገም ኣይትርከቡ!!!
My name is Beemnet Hagos Kelati. I was born and grown in Massawa, Eritrea. I studied at Asmara university from 1998 to 2002, and earned my BA degree in 2003. Since I had heavy eye problem, I was given a medical board from the ministry of defence. While I was leading my life, suddenly in March 2019 my right eye lost vision due to retina detachment and I was referred aboard. Since it was urgent I went to Addis Ababa, Ethiopia for surgery. From March 2019 until February 2020 I did surgery 4 times and unfortunately it was not successful. Finally my case was passed to a board committee in Addis Ababa and they decided to go abroad for further treatment. $50,000 USD is needed for the treatment. I can’t afford this amount of money, so I am kindly asking my relatives, friends and any Eritrean citizen to help me to cover my medical expenses. Thanks and stay blessed.

Organizer

Mussie Weldeslassie
Organizer
Nashville, TN
  • Medical
  • Donation protected

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee