
Help us cover medical expense of child Daniel Y.
Donation protected
ረድኤት ንመጥባሕቲ ልቢ
ፌበን፡ ጓል ሓውና ተኽለሰንበትን ሓፍትና ሉችያን፡ ኣብ ወዲ ሓደ ዓመት ውሉዳ ዳኒኤል ዮሴፍ ብዝበጽሐ ጸገም ጥዕና ሓገዝና ትሓትት ኣላ እሞ ከምቲ ጽቡቕ ልምድና ኣብ ጸገም ጓልናን ሓብትናን ብገንዘብና ንሳተፍ።
ምስ ናይ ልብን ጅማውንትን ጸገማትን ኣንተላይ ትንሓጉ ተጣቢቑ ስለ ዝተውልደ፡ ምጥዋብ ይኹን ምግብ ምውሳድ እውን ስለ ዝጽገም ከምቲ ዝግባእ ክዓቢ ኣይከላአን። ኣብ ኤርትራ ክፍወስ ስለ ዘይተኻእለ ከኣ ኣብ ወጻኢ ከይዱ ክሕከም ስለ ኣተፈቕደሉ ከኣ ንአዲስ ኣበባ ኣምጺኣቶ ትርከብ። እቲ ብሓኻይም ኣድላዪ እዩ ዝተባህለ መጥባሕትን መድሃኒታትን ክግበር ልዕሊ ዓቕማ ስለ ዝኾነ፡ ንህይወት ኣዚ ህጻን ንምድሓን ኩላህና ከከም ዓቕምና ክንሕግዛ ብትሕትና ንሓትት።
ክትሕግዙ ከለኹም እቲ ብሚእታዊት ተገሊጹ ዘሎ (15%, 10%) ዝብል መቝሺሽ (tip) ናብኣ ስለ ዘይከይድ፡ (0%) ክትገብርዎ ንላቦ።
Organizer
Kesete Beraki
Organizer
Bowie, MD