Main fundraiser photo

Help save Senite’s life, mother of two children

Donation protected
My name is Eden Ghebreab and I am fundraising for Senite’s medical expenses per my dear friend Aklilu Sahle’s request.

ንዝወደቑ ተ'ተንስእ ዝነበረት ኢድ ሰናይት ሃይለ፡ ንባዕላ ወዲቓ ዘልዕላ ኣእዳው ትደሊ ኣላ

ሰናይት ሃይለ ኣብ 1998 ኣብ ሕርኩክ'የ ንዝፈልጥዋ። ሰኑ ካብተን ብዕድመ ኣዝየን ዝንኣሳ ደቂ ኣሃዱና'ያ ። ምስቲ ዝነበራ ባህሪ "ወዶወዶ " ኢና ንብላ ኔርና እቲ ወትሩ ስሓቕ ዘይፍለዮ ገጻን ፍሕሽው ባህራን ኣብተን ሓጸርቲ ናይ ሌላና እዋናት ምሳና ዝጸንሓትለን ኣብ ልቢ ነብሲወከፍና ተዘካሪት ንኽትከውን ጌርዋ።

ኣይጸንሐትን እታ ከም ኣቦን ኣደን ኰይና ዘዕበየታ ብዘይካ ሰናይት ውላድ ዘይነበራ ኣዲኣ ብጽኑዕ ስለዝሓመመት ኣፈርክቡ ተባሂላ ናብ ኣስመራ ነቐለት። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ሰናይት ድማ እታ ካብ ከረን ናብ ኣስመራ ንምኻድ ተሰቒላትላ ትኸይድ ዝነበረት ኣውቶቡስ ሓደጋ ኣጋጠማ። ንሳ ገጽ ኣዲኣ ከይርኣየት ናብ ኢመርጀንሲ ሓሊበት ሆስፒታል ኣትያ ፡ ወላዲታ ድማ ዓሪፋ ንጓላ ብዓይና ከይርኣየታ ናብ መቓብር ወረደት ። ሰኑ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሕክምና ግዜ መስበርቲ ኣእግራ ጸጊኑ ደሓን ኰይና ተባሂላ ካብ ሆስፒታል ተፋነወት ። በዛ ኣጋጣሚ ካብ ሰራዊት ተፋንያ ተፋላለየት ።

ሰናይት ካብቶም ኣቐዲሞም ናብ ስዑድያ ዝተሰዱ ኣሕዋትን ኣሓትን እያ ኔራ። ዕድላ ሂብዋ ኣብ እንዳ ሓደ ኣሚር ስራሕ ኣትያ ። ኣብ ስዑድያ ሰላም ኣለኹ ይመስገኖ እናበለት እንከላ እቲ ኣብ ሓደጋ ዘጋጠማ ማህረምቲ ርእሲ ግዚኡ ሓልዩ ዘይጽወር ቃንዛ ርእስን ክሳድን ክገብረላ ጀመረ። ኣብ 2008 ምኽኣሉ ስኢና ጠቕሊላ ናብ ኣስመራ ተመልሰት ።

ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተወት ቁሩብ ክሕሻ ጀሚሩ'ኳ እንተነበረ ኔሩ- ኔሩ ግን የሳቕያ ነበረ ። ኢዳ ኣይሃበትን ንኣሽቱ ነገራት እናሸቀጠት ሂወት ቀጸለት። ምስ ሓደ ኣብ ሸቐጥ ዝተላለየቶ ሰብ ተኣኻኸበት። ኣብ መስርሕ ፍቕሮም ክልተ ውላድ ረኸቡ።እቲ ሕማም ግን ስርሑ ኣይረስዐን ፡ ግን ይመስገኖ ዓቕማ ስለዝነበረን ክንዲ'ቶም ብሞት ዝተፈልይዋ ኣቡኣን ኣዲኣን ኮይኑ ዝሕግዝ በዓልቤት ስለዝፈጠረላ ክኣለቶ ።

ግዚኡ ኣብ 2020 እዩ፡ ንኽትጻወሮ ዘጸገማ ሓዘን ኣጓነፋ, በዓልቤታ ብሃንደበታዊ ወቕዒ ልቢ ብሞት ተፈለያ ። ካብታ ናይ ስንባደ ዕለት, ጉዳይ ጥዕንኣ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወዲቑ ፡ ናብርኣ ካብ ሆስፒታል ንገዛ ኰነ። እቲ ዘጓነፋ ሕሱም ኩነታት እናጸወረት ሂወት ደቃ ከተቐጽል ናብ ዝበርትዐ ጻዕርን ከልበትበትን ኣተወት ዝሓለፈ ክረምቲ በለስ እናሸጠት ከብዲ ደቃ ዓንገለት.

ዝኸፍአ ደረጃ, የማነይቲ ኢዳ ምንፍጥፋጥ ከይኣኽላ ናብ ምልማስ ገጻ ከደት። ኣብ ግዜ ሓደጋ ብኸቢድ ተሃሪሙ ዝጸንሐ ርእሳ ፡ ቃንዛ እዝኒ ኣስዒቡ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ምስማዕ ስኢና ኣእዛና ጸመመት። ኣፋውን ምዕጻው ኣበያ ። ሕጂ ብምልክት'ያ ትረዳድኣካ። ቃንዛታት ሕቖ ውን ፈጺማ ክትጾሮ ኣይከኣለትን።

ሓኻይም ኣብ ዝሓሸ ሕክምና ከይዳ ክትፍወስ ከምእትኽእል ምስ ኣረጋገጹላ ሰብ ኣድለያ። ዝሕግዝዋ ግን ስኣነት, ናብ ስሙያት ሰባት ጥራይ ምጉያይ እኩል ድዩ? መን'ዩ ድኣ ነቶም ሰብ ዘይብሎም ሰባት ሰብ ክዀኖም ፧

80 ዓመተን ዝረገጻ ንባዕለን ዘልዕለን ዝደልያ ኣሞኣ፡ ንርእሰን ሰብ ኣጸጊዕወን ንዓኣ ድማ ብወገነን ንግዚኡ ኣጸግዔናኣ ዘለዋ ኣብ ሰለስተ ብክልተ ሜትሮ እትኸውን ጸባብ ቤት እዩ። እሞ ኣሕዋትን ኣሓትን ጸገምን ሕማምን መናብርትና እየን። ንእሽተይ ሓገዝ ፈውሲ ቃንዝኣ ክዀና እየ: በዚኣ ጎ ፋንድ ሚ ሓገዝኩም ክትልእኩ ንምሕጸን:: ንትገብርዎ ሓገዝ ኣቀዲምና እናመስገና ስእሊ ህልው ኩነታት ገጻ ንሰብ ስለ ዝርብሽን ንኽብሪ ዝዓቢዩ ደቃን ክንብል ናይቀደም ስእላ ተመራጺ ኰይኑ ኣሎ::

Donations 

    Organizer

    Eden Ghebreab
    Organizer
    West Falls Church, VA

    Your easy, powerful, and trusted home for help

    • Easy

      Donate quickly and easily

    • Powerful

      Send help right to the people and causes you care about

    • Trusted

      Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee