
Help Mike to live again
Donation protected
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ፈተውትን
ብመጀመርታ ሰላምታ ብምቕዳም እግዚአብሔር ኣምላኽ ምሉእ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ክህበኩም ይምነ ። ብምቕጻል ኣስታት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ሕዱር ሕማም ኩሊት ( chronic kidney diseases ) ከም ዝገበርኩን ፡ ካብ ሃገር ወጺአ ክሕከም ከም ዝተሓበረንን ፡ እቲ ዘጋጠመ ጸገም ልዕሊ ዓቕመይ ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ሰብ ዓዓቕሙ ክሕግዘኒ ሓቲተ ከም ዝነበርኩን ይዝከር ። ብኡ ምኽንያት ድማ ንኹሉ ሰብ ተሓቢሩ ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ፡ ኩሉ ሰብ ከኣ በብዓቕሙ ዝተፈላለየ ሓገዛት ጌሩለይ ነይሩ ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ቦርድ ወረቐት ስለ ዘይተዋህበኒ ብሕጋዊ መገዲ ናብቲ ሕክምና ክረኽበሉ ዝኽእል ቦታ ክኸይድ ዝከኣል ኣይነበረን። ስለ ዝኾነ ቅልጡፍ ረድኤት ክረክብ ኣለዎ ብምባል ኣሕዋትን ፈተውትን ተሓባቢሮም በቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ዶብ ንኣዲስ ኣበባ ከም ዝምጽእ ገይሮም ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጻኹ ግና ናይ ኮላሊት ሕክምና ከምቲ ዝሓሰብናዮ ዘይኮነ ካብ ግምትና ወጻኢ ብዙሕ ቢሮክራሲ ዝሓትትን በቲ ዝነበረ ኩነታት'ውን ነቲ ንቅለ ተከላ ( kidney transplant ) ማለት ኩሊት ናይ ምቕያር መስርሕ ብቐሊሉ ክረኽቦ ከም ዘይክእል ተሓቢሩኒ ። ብዙሕ ተፈቲኑ ኣሕዋትን ፈተውትን'ውን ላዕልን ታሕትን ኢሎም ብኹሉ እቲ ዝተፈተነ መገድታት ግን ክሰልጥ ኣይከኣለን ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ግን ጎኒ ጎኒ ሕክምናይ ማይ ጸሎት ይሕጸብ ስለ ዝነበርኩ ብፍቓድ እግዚአብሔርን ብረድኤት ቅዱሳንን ጥዕናይ ናብ ኣሸጋሪ ኩነታት ካብ ምምዕባል ደሓን ኮይኑ ። ብሓካይም'ውን ከምዚ ኢልካ ምጽናሕካ ብሓቂ ዕድለኛ ኢኻ ተባሃልኩ ። መድሓኒተይ እናተኸታተልኩ ክሳብ ኩሊት ናይ ምቕያር ዕድል ዝረክብ እንዳተጠንቀቕኩ ክጸንሕ ድማ ተሓቢሩኒ። ንኣስታት ሰለስተ 3 ዓመታት ከኣ ጸኒሐ ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ተቐላጢፈ ክቕይር ከም ዘለንን ፡ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ይምዕብል ከም ዘሎን ተነጊሩኒ ።
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሓቲትና ተቐቢጽና ዝነበረ ናይ ቦርድ ዕድል ተኸፊቱ ከም ዘሎን ክጽሕፉለይ ከም ዝኽእሉን ብሓኪመይ ተሓበረኒ ( ምስ ብዙሕ ጸገማቱ ማለት ኢዩ ) ። ኣብዚ እዋን እምበኣር እቲ ቦርድ ወረቐት ናይ ምርካብ ብድሆታት ኣብ ቦትኡ ኮይኑ ግዱሳት ኣሕዋት ኣብ ምጽዓር ይርከቡ ኣለው ። ዝከበደ ብድሆ ኮይኑ ዘሎ ግና እቲ ንሕክምና ተሓቲትናዮ ዘለና መጠን ገንዘብ ኢዩ ። ቅድሚ ሕጂ ዝተዋጽአ ገንዘብ ነዚ ተሓቲትናዮ ዘለና ክሽፍን ዝኽእል ስለ ዘይኮነ ድማ ፡ ከም እነደገና ተመሊሰ ሓገዝኩምን ደገፍኩምን ይሓትት ኣለኹ ።
ብዓቢኡ ድማ መድኃኔዓለም ምሕረት የoውርደልካ ኢልኩም ጸሎት ክትገብሩለይ ይምሕጸን ።
እግዚአብሔር ሰላሙ ይሃበና
ሓውኹም ሚኪኤለ ተኽለሚካኤል
( ሚኪ በገና )
Miki Begena left Eritrea in 2019 after receiving the devastating diagnosis that both of his kidneys had failed and he would require a kidney transplant, a procedure that would only be available abroad. After 3 years of medical follow-up and fundraising, we come to the point where we couldn't keep him stay only with a controlled lifestyle and medication. receiving a kidney transplant is the only option whereby his 73 years old mother desperately needed to donate to save his life.
Currently in Ethiopia, a group of Miki's friends from Debre Brhan Kdsti Slase church Edaga Hamus in Asmara, where he served as a choir member and youth teacher, have gathered to raise funds for his medical treatment. Thankfully in the coming months, a door has opened for Miki to be able to do a transplant in India. The total cost of this opportunity is $27,000. for the past three years, we all helped in raising $13,000 and covering his medical and living expenses, but the remaining $14,000 is a price tag far too much for Miki and his family.
2 Corinthians 9:7 Each of you should give what you have decided in your heart to give, not reluctantly or under compulsion, for God loves a cheerful giver.
2ይ ቆሮንቶስ 9:7 ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡
Co-organizers (2)
Amanzgi Tesfay
Organizer
Lynnwood, WA
Bethelihem Tesfatsion Tedla
Co-organizer