
Help Mekonen Kidane (Shabai) - Heart Transplant
Donation protected
Our esteemed artist, researcher, journalist, and devoted family man, Mekonen Kidane (Shabai), desperately needs assistance to address his ailing heart. Recently, he received urgent counsel from top German physicians indicating an immediate need for costly medical intervention, which he cannot afford. He requires our support and assistance. We implore you to join us in mobilizing support for Mekonen's medical expenses. Let us unite to ensure that this beloved luminary, whose art and writings have inspired countless Eritreans and beyond, receives the urgent medical care he urgently requires. We can make a meaningful impact and provide hope for our cherished brother. Time is of the essence.
let us act swiftly to save a life!
Organizers: Frena Mekonen Kidane (Mekonen Kidane’s Daughter), and Musé Issac (Mekonen Kidane’s Son-in-law).
ኣቦ ሓሙሽተ ውሉዳትን ኣላዪ ስድራን ብጻይናን ሓውናን ስነ-ጥበበኛ፡ ደራስን ጋዜጠኛን መኰነን ኪዳነ (ሻባይ)፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ብኸቢድ ሕማም ልቢ ክሳቐ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋን፡ እታ ልቢ ስለ ዝደኸመት፡ ብሓካይም ጀርመን ዝለዓለ ሕክምና ከም ዘድልዮ ተሓቢርዎ ኣሎ። የግዳስ፡ ብሕጊ ጀርመን: ኣብ ሃገሮም ብሕጊ ንኽነብር ንዘይተቐበሉዎ ሰብ ንኸምዚ ዝኽብደቱ ሕማም ብናጻ ኽሕከም ስለ ዘይፍቀድ፡ ዋጋ ሕክምንኡ ድማ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዝሓትት፡ ዝክኣል ኣይኮነን። ሓውና ስነ-ጥበባዊ መኮነን ሻባይ: ሓያለይ ፍርያት ዘቕረበ ስነ-ጥበበኛ: ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ከኣ፡ ጋዜጠኛ መጽሔት ሕድርን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብምዃን፡ ኣማኢት ዓንቀጻት ዝጸሓፈን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣዳላዊ ዓምዲ "ባህልን ሕብረተሰብን" ኮይኑ ዘገልገለን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብ ዓበይቲ ሃገራውያን በዓላትና ዝቐረቡ ድራማታትን ሰነዳውያን ፊልምታትን ዝደረሰን ሓደ ካብቶም ኣብ ምዕቃብ ታሪኻውን ባህላውን ውርሻታትና ብልዑል ክእለት ክሰርሑ ዝጸንሑ ሞያውያን'ዩ። ኣብ እዋን ከቢድ ሕማሙ ከይተረፈ፡ ከይተሓለለ፡ ንሕትመት ተቐሪባ ዘላ “ድንገት ኣብ ዓጋመት” እትብል፡ ብጽጹይ መጽናዕትን ህያው ጭብጥታትን ዝተሰነየት ዓባይ መጽሓፍ ታሪኽ ደሪሱልና ኣሎ። ሕጂ'ውን፡ ንባህላዊ ተመኵሮ ሰውራ ኤርትራ ብሰፊሕ እትገልጽ “ሰውራ ኣብ ሰውራ” እትብል ዝዓበየት መጽሓፍ ታሪኽ ኣብ ምጽሓፍ ጸኒሑ ኣሎ። ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን: በብእንኽሎ ንህይወት ናይ'ዚ፡ ከቢድ ጸገም ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሓውናን ብጻይናን ንምድሓን፡ በቲ ልሙድ ልግስና ሰናይ ናይ ምግባር ያታናን ክንደጋገፍ ብትሕትና ንሓትተኩም ።
ፈጣሪ ዘውጻእክምዎ ይተካኣልኩም!!
Co-organizers (2)
Musé Issac
Organizer
Silver Spring, MD
Frena Mekonen Kidane
Co-organizer