- E
- M


Help for family Natnael Fsha Gebre
0% complete
$1,154 raised of $30K
7 donations
ናብ ዝኸበርኩም ገበርቲ ሰናይ ውልቀ/ጉጅለ ከምኡ ውን ማሕበር ኣሕዋት ተወለድቲ ገዛ ከረንን ከባቢኡን
ነቲ ካብ ስራቤት ዝመጸ ናይ መሕተቲ ሓገዚ ሕጋዊ ዝኾነ ወረቐት መሰረት ብምግባር ፣
ንሓደጋ ዘስዓቦ ከቢድ ዕዳ፦ ንወዲ-ሓወቦና ሓውና ወዲ ዓድናን ዝኾነ ናትናኤል ፍስሃ
ኣቦ ፍስሃ ገብረ መንግስቱ
አደ ማህሌት ቀሺ በርሀ ኪዳነ
ዓዲ ገዛ ከረን
ሰላም ናይ እግዚኣብሄር ምስ ኩልኹም ይኹን ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ።
ሎሚ ልብና ብሓዘን ተሰይሩ፣ ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ የሕዋትና ዝኾነ ምስሕሓብ ዘይነብሮም መንእሰያት እሞ ዝወረደ ሓደጋን ፍጻመን ብዝምልከት ኮይኑ ፣ ኣብዞም ስድራቤታት ዝወረደ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ምኽንያት ብትሕትና ሓገዝኩም ንሓትት ኣለና።
ኣብ ሞንጎ ክልተ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ብዘይሓሰቡዎ ኣጋጣሚ ሓደጋ ኣጋጢሙ። በዚ ዘሕዝን ሓደጋ እዚ፣ እቲ ሓደ ሂወቱ ክትሓልፍ ከላ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ መስርሕ ይርከብ። ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ሒዙዎ ድሕሪ ምጽናሕ ብሽማግለ ክዕረቑ ስለዝተሰማሙዑ እሞ ሽማግለ ዕርቂ ፣ ነታ ስድራቤት 600,000 (ሽዱሽተ ሚኢቲ ሽሕ) ናቕፋ ከም "ናይ ጋር ነብሲ" ክኸፍሉ ወሲኑ ስለዘሎ "
እዚ መጠን ገንዘብ እዚ ካብ ዓቕሚ እታ ስድራቤት ንላዕሊ ስለዝኾነ ነዚ ክፍሊት እዚ ኣብ ተወሲኑ ዘሎ ግዜ እንተዘይተኸፊሉ፣ እቲ መንእሰይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንነዊሕ ዓመታት ክበሊ ወይ ካልእ ከቢድ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰዶ ይኽእል እዩ። እታ ስድራቤት ድሮ ብሞት እቲ ሓደ ሓውና ሓዚና ከላ፣ ሕጂ ድማ እዚ ዓቢ ፋይናንሳዊ ጾር ተወሲኽዋ ኣብ ዓቢ ጭንቀት ትርከብ።
N.B ብዓብይኡ ከኣ እዚ ብብዙሕ ውረድ ደይብ ዝተረኸበ ናይ ዕርቂ ተስፋ ሙሉእ ክኸውን ስድራ ቤት ብናትኩም ሓቦን ሞራልን ኩሉኹም ደለይቲ ሰላም ክትድግፉና ንላቦ።
ጻዊዒትና፦
"ነዚ ወሪዱ ዘሎ መከራ ፣ ንምንጋፍ ዓቕምና ዘፍቀዶ ክንሕግዞም ኣምላኽ ይሓግዝ ። ነፍሲ ወከፍ እተበርክቱዋ ሓገዝ፣ ንእሽቶ ትኹን ዓባይ፣ ነዚ ክፉእ እዋን እዚ ንክሓልፉን ነቲ መንእሰይ ናብ ንቡር ህይወቱ ንክምለስን ትሕግዝ እያ እም ብእትገብሩልና ሓገዝ ኣዚና ነመስግን
እዛ መልእኽቲ ንኹሉ ሰብ ክትበጽሕ ሓግዙና።
ፈጣሪ ካብ ክፉእ ይሰውርኩም፣ ንዝገበርኩምዎ ሰናይ ተግባር ኣምላኽ ይተካኣልኩም.


