- K
- S
ብመጀመርያ ክቡር ሰላምታና ንክቡራት ገበርቲ ሰናይ ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ኣብ ናይ ሓውና ነፍስሄር ተስፋሚካኤል ግርማይ ተክለሚካኤል ካብ ግዜ ሕማሙ ጀሚርኩም ክሳብ ግዜ ዕረፍቱ ኣብ ጎንና ኮይንኩም ዘጸናናዕኩሙናን ብገንዘብ፡ ብንዋት፡ ብጉልበት ዝሓገዝኩምና ሕሰም ኣይትርከቡ ዘውጻእኩሞ እግዝኣብሄር ኣምላክ ይተክኣልኩም ጉልበትኩም የጽንዓዮ እንዳበልና ን ልዕሊ 2 ሰሙናት ከፊትናያ ዝጽናሕና ናይ ሓገዝ ማለት Go Fund Me ሳላ ኢደይ ኢድካ ኢልኩም ሬሳ ሓውና ናብ ትውልዲ ዓዱ ዓዲ ሎጎ ንክበጽሕ ዘበርከትኩሙልና ሓገዝ ሎሚ ሓሙስ 28/10/2021 ሓውና ተስፋሚካኤል ሓመደኣዳም ለቢሱ ስለ ዞሎ ሓዘና ከም ዝዓጸና ከምኡ ውን ነዛ ናይ ሕሳብ Go Fund Me ደው ኣቢልናያ ስለ ዘለና ዝኮነ Donate ንከይትገብሩ ብትሕትና ከነዘካክረኩም ንፈቱ ።
* ሙሉኣት ስድራቤት የቀንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ ንብል።*
ኣዚና እንፈትዎን እነፍቕሮን ሓውና ተስፋሚካኤል ግርማይ ተኽለሚካኤል ዝተባህለ ትውልዲ ዓዱ ዓዲ ሎጎ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኮይኑ ዕድመ 36 ሓውና ተስፋሚካኤል ምስ ብዓልቲ ቤቱ ፍረወይኒ ምስ 2 ውሉዳቶም ብፍቕሪ ማሚቆም ድሕሪ ምጽናሕ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ሕክምና ነዋርሕ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ፍቃድ ኣምላክ ኮይኑ ብ ዕለት 09/10/2021 ኣብ ሆስፒታል ሃሚልቶን ኦንታርዮ ካናዳ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊና ።
ተስፋሚካኤል ከም ሰብ ተዋዛያይን ፡ ለዋህ፡ ርህሩህ ፡ ሓወይ ሓፍተይ በላሃይ ፡ ጻዕራም ሰብ ኢዩ ነይሩ። ናይ ብሓቂ ዘይክሰር ሓው ከሲርና ፡፡
ሓውና ተስፋሚካኤል ምስ ምሉእ ናፍቖት ስድራቤቱ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይረክቦም ይከውን እንዳ በለ ኢዩ ንዘልኣለም ተፈልዩ ።
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ፡ ንመስደዲ ሬሳ ዝግበር ወጻኢታት ከቢድ ከም ሙካኑ መጠን ፡ ከም ባህልናን ልምድናን ክንትሓጋገዝ ክሳብ $25,000 ዶላር ዝኸውን መጠን ገንዘብ ንክንእክብ ሓገዝኩም ኣይፈለየና ይብሉ ምሉእ ስድራቤት።
Our dear and beloved brother, Tesfamichael Ghirmay Teklemichael, a native of his hometown, logo, sub-region Debarwa, age 36, Tesfamichael and his wife, Freweyni lived with their two loving children. Tesfamicheal after suddenly became sick, he was receiving medical attention at Hamilton General Hospital in ICU. Tesfamichael Ghirmay Teklemichael passed receiving the care and support of the medical team and his family at bed side in Hamilton, Ontario, Canada, on 09/10/2021.
Tesfamichael was funny with a good sense of humor, kind and too many big brother and a hardworking man. We will miss him dearly.
Dear brothers and sisters, the whole family has decided to send him home and we are fund rising up to $25,000. This will help the travel and funeral cost.
We appreciate for your support in this our difficult time.

