- M
- S
- S
ዝኸበርኩም ኩቡራት ኤርትራውያን ኣሕዋት ወዱ ንስዉእ ሓዉና ነጋሲ ስዮም (ሴም ነጋሲ ወዲ 18 ዓመት) ብዘጋጠሞ ናይ ናይ መለጋግቦን ጅማትን ሕማም ኣብ ኣዝዩ ክንቀሳቀስ ይኹን ነብሱ ክአልየሉ ኣብዘይ ክእል ደረጃ በጺሑ ይርከብ። ብዙሕ ናይ ሕክምና ላዕልን ታሕትን ክብል ድሕሪ ምጽናሕ ብናይ ሓደ ናብ ኤርትራ ዝመላልስ ጀርመናዊ ዶክተር ዝተዋህበ ሪኢቶ ናብ ጀርመን ኢንተ መጽኡ ክሕከም ከም ዝኽእል ተስፋ ሂቡና። ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ከኣ ደገ ከይዱ ክሕከም ፍቃድ ረኺብና። እንተ ኾነ ነቲ ሕክምናዊ ወጻኢታት ልዕሊ ዓቅምና ስለ ዝኾነ ኩላትኩም ኤርትራዉያን ኣሕዋት ሓገዝ ክትገብሩልና ሴም ወድና ካኣ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ተሓኩሙ ናብ ንቡር ሂወቱ ክምለስ ብትሕትና ደገፍኩም ንሓትት።

