
ብሕማም መንሽሮ ደም ትሳቐ ዘላ ሰናይት ተኽላይ ሓገዝና ትሓትት!
Donation protected
ሰናይት ተኽላይ ትብሃል። ኣብ ኤርትራ ዓዲ ናህባይ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ኣብ ከተማ ድባርዋ እትቕመጥ፡ ኣደ ኣርባዕተ ውሉዳት ኢያ። ሰናይት፡ ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ብሕማም መንሽሮ ደም (Blood Cancer) እትሳቐ ዘላ ኣደ ኢያ። ኣብ ኤርትራ፡ ክፍሊ ሕክምና ኦሮታ፡ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዳ ክትሕከም ብዝተፈቕደላ ዕድል መሰረት፡ ምስ ግዜ ክትቀዳደም ካብ ዝብል ሻቕሎት፡ ብህጹጽ፡ ገንዘብ ከይኣከብት'ያ ናብ ሃገረ ቱርኪ ኣምሪሓ ዘላ። ኣብኡ ወጺአ ንደቂ ህዝበይ ሽግረይ ምክፋል ይሕሸኒ ዝበለት ሰናይት፡ ኣብ'ዚ ሰዓት እዚ ረድኤት ተደናገጽቲ ውጹዓት እናተጸበየት፡ ሕክምናዊ ክንክን ክትገብር ብሃንቀውታ'ያ ትጸባበ ዘላ'ሞ፡ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዓቕምና ዝፈቕዶ ወስ ከነብለላ ብምሕረት ጎይታ ንልምነኩምን ንልምነክንን። ኣምላኽ ይሓግዘና፡ ኣሜን።
መተሓሳሰቢ
ክቡራት ኣሕዋት ሓገዝኩም ከተበርክቱልና ከለኩም 2 ዓበይቲ ነገራት ኣብ ግምት ከተእትዉ ንላቦ
1) እዚ ወጺዩ ዘሎ ኣካውንት ናይ gofundme ብ ናይ ካናዳ ኣካውንት እዩ ተከፊቱ ስለዚ ሓገዝ ከተበርክቱ ከለኩም
100 US = 145 CAD
100 € = 157 CAD
ምናልባት 100 አልኩም ተጽሒፍኩም እቲ website ገንዘብ ኣጉዲሉ አዩ ዝወስድ ብ ናይ ሸርፊ ሓሳብ
2) donate ምስ ገበርኩም tip ዝብል percentage ናብ 0% ምለስዎ አኩም ብላዕሊ ገንዘብ ከይወስደልኩም።
ኣምላክ ዘውጻእኩሞ ይተከኣልኩም ብጣዕሚ ኢና ነመስግን።
Organizer
Million Mihretab
Organizer
Kitchener, ON