ሓገዝ ንሓሮስቶት ተጋሩ። Support to Tigria farmers
Donation protected
From Disaster to Catastrophe in Tigray
መንግስታውን ዘይመንግስታውን ፍልፍላት፣ ዓለምለኻውን ከባብያውን ትካላት ከምዘረጋገፁዎ፤ ኣብ ትግራይ ኣብ ወለዶታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድን መዕነውን ወራር ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ወሪዱ ኣሎ፡፡ ብዕስለ ዝንቀሳቐስ ኣንበጣ በረኻ ኣዝዩ ሓደገኛን ንዝኾነ ይኹን እኽልን ቆፅላመፅልን ዝበልዕን እዩ፡፡ ብፍሉይ ድማ ንዙ ወራር ከቢድ ዝገብሮ፤ ቫይረስ ኮሮና ንጥዕናን ኢኮኖሚን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓሰየሉን፤ ኣንፃር ትግራይ ብጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ብቐፃልነት ዝፍሓስ ዘሎ ግዳማዊ ተፃብኦን ውዲትን ኣብ ዘንፀላለወሉ እዋን ምዃኑ እዩ፡፡
እዙ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ክሳብ ሐዚ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ኣማኢት ሄክታራት ዝሽፍን ዘራእትን ቀለብ እንሰሳን ኣዕንዩ ኣሎ፡፡ ሐዚ እውን ቅልጡፍን ዝተዋደደን ስራሕቲ ምክልኻል እንተዘይተኻይዱ፤ ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ክዛመት ከምዝኽእልን፤ ቀለብ ዓመት ህዝብናን እንሰሳታትን ከጥፍእ ከም ዝኽእል እዩ ተሓቢሩ፡፡ ኣብ መላእ ዓለም እንነብር ተወለድቲ ትግራይን ፈተውቲ ትግራይን፤ ምስ ህዝብና ዘለና ሓድነት ንምርግጋፅ፤ ንመዐደጊ ኬሚካል፣ መከላኸሊ ኣቕሑት፣ መሳርሕታትን መጓዓዝያን ዝኸውን ገንዘብ ንምትእኽኻብ እዙ ፃውዒት ህፁፅ ረድኤት ቐሪቡልና ኣሎ!
https://www.youtube.com/watch?v=RhTbAOQM2os

Organizer
Eritrean Bright future movement
Organizer
Leusderkwartier, NL