- A
ሂወት ሚልክያስ ኣብ ኢድና'ያ ዘላ
ርኸብ ስኣን ብዘየገድስ፡ ፈጣሪ ጥዕና ዘለዎ ህጻን ሂቡካ ከተዕብዮ ምኽኣል ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ክትፈልጥ ፡ ነቶም ምስ ሕማም ደቆም ክቕንዘዉ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ስድራ ቤት ምዝካር የድሊ። ብሩህ መጻኢ ዝጽበዮ
ህጻን ሓሚሙካ እሞ ድም ስኣን ዓቕሚ ናብ ተብሎ ዘይብልካ ዓይኑ ዓይኑ እናርኣካ ምንባዕ ክብደቱ ክትግምቶ እንከለኻ ልዕሊ ጹሮት ወዲ ሰብ ምዃኑ ይስወጠካ።
ህጻን ሚልክያስ ማቴዎስ (ወዲ ባሻይ) ገና ንዓለም ዝላለያ ዘሎ እዩ።
ኣብዛ ንኸስተማቕራን ምስ መዛንኡ ከም ብተይ ክዕንድረላን ዝግብኦ ዕድመ ብደም ካንሰር ተታሒዙ ኣብ ስቓይ ይነብር ኣሎ።
ወለዱ ናብቲ ሓኻይም ዝጸሓፉሉ ወጻኢ ሃገር ወሲዶም ከሐክምዎ ዓቕሚ ስለዘይብሎም ወዶም ሓቚፎምን ኣቢዶምን ካብ ምንባር ሓሊፎም ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ስለዘይብሎም ኣብ ቤቶም ኰይኖም ለይትን ቀትርን ንፈጣሪ ይልምኑ ኣለዉ።
እሞ በሉ ፡ንሕና ድማ ነዚ ውልዶ ህጻን ጽባሕ ንግሆ ማዕረ ደቅናን ኣሕዋትናን ነዛ ጸሓይ ዓለም እናርኣየ ምእንቲ ክፍሳህን
ክነብርን ዓቕምና ሂብና ነዛ ሂወቱ ነትርፋ።
ይዕበ ይንኣስ ናይ ነብሲ ወከፍና ወፈያ ነዚ
ህጻን ካብ መንገዲ ሞት መሊሱ ሂወት ከምዝህቦ ይኣምን። ነዚ ቅዱስ ተበግሶ ድማ ዓጸፌታዉ ምላሽ ከምእትህቡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ጥርጥር የብለይን።
ልዑል ፈጣሪ ብዓይኒ ምሕረቱ ነዚ ህጻን ጠሚቱ ይራህርሃሉ ። ኣሜን !
ሓንቲ ሼር ሓንቲ ሂወት'ያ ተድሕን።
ስለዚ ብሓንቲ ሼር ብልጽቲ ሂወት ነድሕን።
እቶም ሓገዝኩም ናብ ስድራ ክትልእኩ እትደልዩ።
ኣቦ ፡- ማቴዎስ ተኽሉ (ወዲ ባሻይ)
ቴ.ሌ 07617459
ኣደ ፡- ዓወት ሃብተ
ቴሌ ፥- 07269418
ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን
25/ 06/2022
ኣስመራ።

