- M
ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ኤርትራውያን ገበርቲ ሰናይ ፡ ኣኣብ ዘለክሞ ሰላምን ጥዕናን እንዳተመነና ፡እዚ ኣብ ስእሊ ትሪእዎ ዘላኩም ሓውና ኢዮብ ክፍለጼን ትውልዲ ዓዲ ከልከልቲ ኮይኑ ከም ኩሉ መንእሰይ ብስደት ጁባ ድሕሪ ምጽንሑ ፡ ኣዝዪ ልዑል ደረጃ ናይ ኮላሊት ሕማም ብምሕዳሩ ፡ ን ሓደ ዓመት ሙሉእ ንኡጋንዳ ብምካድ ብናይ ቤተሰብ ሓገዝ ክሕከም ጸኒሑ። ይኩን እንበር ሕማሙ ልዕሊ ዓቅሚ ኡጋንዳውያን ሓካይም ብምኻኑ፡ ንዝልዓለ ሕክምና ማለት ናብ ጀርመን ከይዱ ክሕከም ስለ ዝተባህለ እሞ እቲ ወጻኢታት ናይ ሕክምና ካኣ ልዕሊ ዓቅሚ ቤተሰብ ብምካኑ፡ ነዚ መንእሰይ ሓውኩም ንምድሓን ኩሉኩም ዓዓቅምኩም ክትሕጉዙና ሸር ውን ክትገብሩልና ብትሕትና ንሓትት።ብእትገብሩልና ምትሕብባር ብልቢ ነመስግን ።
ተኩሉ ክፍለጼን
ፍራንክፉርት, ጀርመን


