- M
ሓገዝ ንመሐከሚ ሓውና
ምሕረተኣብ እስቲፋኖስ (ዋንጊው)!!
ዋንጊው፥ ኣባል 5ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ፥ ኣብ ኮር 381 ክፍለ ሰራዊት 18፥ 3ይ ብርጌድ፥ ቦጦሎኒ 1 ተመዲቡ ኣብ መግሃር ኲናት 1998-2000 ብምስታፍ ሓደ ካብቶም ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኖም ሃገር ዘውሓሱ ምዑታት ደቂ'ዛ ሃገር ኢዩ።
በታ ብዕለት 06 መጋቢት 1999፥ ኣብ ካልኣይ ወራር ኣብ ኲናት ገዛ ገርሀላሰ ድሕሪ ምውዓሎም ዝተሳእላ ቪድዮ ኣቓልቦ ኤርትራውያን ዝሳሓበ ዋንጊው፥ ሎሚ ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ኢዩ። ኣብ ብርክት ዝበለ ናይ ዓይኒ'ብለይ ስኒ የብለይ ኲናት ብምስታፍ ኣብ ዓይኑን ከብዱን ማህረምቲ ስለ ዘጋጠሞ ግና፥ ዓይኑ ኣብ ርእሲ ምድካሙ፥ እዝኑ'ውን ናይ ምስማዕ ሽግር ኣሎዎ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፥ እቲ ቅድሚ ምኽታቱ ዝተፈላለየ ስርሓት ብምስራሕ ዝተሓጋገዞ ዝነበረ ክብሮም እስቲፋኖስ ዝባሃል ዓቢ ሓዉ'ውን ብ2000 ዓ.ም ኣብ እተኻየደ 3ይ ወራር ተሰዊኡ'ዩ።
ንዘጋጠሞ ድርብራብ መውጋእቲ ተጻዊሩ ክልተ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ንምእላይ፥ ንዝዋሃቦኦ ናይ ዕረፍቲ መዓልታት፥ ኣብ ክንዲ ዘዕርፈን፥ "ኒሕን ኤርትራውነትን ከይተርፍ!" ጋሕጋሕ ምድሪ ናብ ዕዳጋ ሓራጅ ብምኻድ፥ ቤርሙዝን ንዕኡ ዝኣመሳሰለ ኣቕሑትን ዘርጊሑ ብምሻጥ'ዩ ኣታዊታት ዝገብር። ኣበይ'ሞ፥ ንሱ'ውን ጥዑይ ዓይንን እዝንን ኮታስ ሓያሊ'ውን የድሊ እንዶ ኾነ።
ዋንጊው ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብጅግንነቱ ብተደጋጋሚ ክውደስ ምስ ጀመረ'ዩ፥ ፈለጥቱ ከቢድ ናይ ጥዕና ሽግርን ጸቕጢ መነባብሮ ከም ዘሎዎን ክግለጽ ዝጀመረ።
ብዙሓት ሃገራውያን፥ ንዋንጊው ዓዓቕምና ንኽንሕግዞ ጎፋንድሚ ይከፈተሉ እናበሉ ጻውዒት ክገብሩ ብምጽንሖም ድማ እኖሆ መአከቢ ገንዘብ ዝኸውን go fund me ተኸፊቱ ኣሎ።
ብውልቂ ክትሕግዙዎ እትደልዩ ድማ፦
ቁጽሪ ተሌፎናት -
ምሕረተኣብ እስቲፋኖስ(ዋንጊው) - 002917204589
ሰላማዊት በራኺ(በዓልቲ ቤቱ) - 002917416871

