ኣብ 10 ዓመታ በስገዳድ ተመርዕያ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ግዳይ ስንክልና ዝኾነት ሓገዝና ትሓትት

ኣብ 10 ዓመታ በስገዳድ ተመርዕያ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ግዳይ ስንክልና ዝኾነት ሓገዝና ትሓትት video thumbnail, 1 of 3ኣብ 10 ዓመታ በስገዳድ ተመርዕያ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ግዳይ ስንክልና ዝኾነት ሓገዝና ትሓትት video thumbnail, 1 of 3

  • S
  • B
  • T
759 donors
0% complete

$53,141 raised of 

ኣብ 10 ዓመታ በስገዳድ ተመርዕያ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ግዳይ ስንክልና ዝኾነት ሓገዝና ትሓትት

Donation protected

https://gofund.me/0d756a6a7


*እቶም ብጎፋንድሚ ሓገዝኩም ከተበርክቱ ዘይትኽእሉ፡ ነዞም ዝስዕቡ ወኪላት ረኺብኩም ሓገዝኩም ከተበርክቱ ብትሕትና ንላቦ።

ኤውሮጳ- ፍትሓዊ ኣማረ (ወዲ ሓዋ ንሓረጉ)- (+4917683177863)

እስራኤል- መሓሪ ተስፋይ (+972549503400)


ሓረጉ ኤልያስ ገ/ብሄር ትብሃል። ኣብ 1983 ኣብ ከባቢ ዛይደኮሎም፡ ትኹል ኣብ ዝብሃል ዓዲ ተወሊዳ፡ ኣብኡ ውን ዓብያ። ሓረጉ፡ ኣብ ግዜ ህጻንነታ መቐረት ፍቕሪ ወለዳ ከይጽገበት፡ ብሰሪ ግጉይ ውሳኔ ኣቦኣ ቀሺ ኤልያስ ገብረእግዚኣብሄር፡ ግዳይ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ዝኾነት ፍቅርቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ሓብትና እያ። ህጻን ሓረጉ፡ ጓል 6 ዓመት ምስ ኣኸለት እዮም ኣሕጽዮምዋ። ኣብ 10 ዓመታ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ'ቲ ግዜ እቲ ኣብ ልዕሊኣ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ዘስተውዕል ኣእምሮ ጌና ዘየጥረየት ጓሎም፡ ምስ ስድራቤት እቲ ዝሕጸይዋ ወዲ ብምስምማዕ ኣመርዓውዋ። ወላዲታ፡ ወላ'ኳ ነቲ ኩሉ ዝግበር ዝነበረ ብትሪ እንተ ተቓወማኦ፡ ዝሰምዐን ግን ኣይተረኽበን። ኣብቲ እዋን እቲ ኣሕዋት ሓረጉ ንነጻነት ሃገር ክቃለሱ ኣብ ሜዳ ብምንባሮም፡ ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝወረደ’ሞ ጠንቂ ህሉው ኩነታታ ዝኾነ ንክትኣምኖ ዘጸግም በደል፡ ረዳኢ ክትረክብ ኣይከኣለትን።

እቲ መርዓ ተፈጺሙ፡ ብኡ ብኡ ከኣ ናብ እንዳ ሓሙኣ ተወስደት። “ማማ” እናበለት ጥራይ ትበኪ ዝነበረት ናይቲ ሽዑኡ ህጻን ሓረጉ፡ ዝርድኣ ሓደ’ኳ ኣይነበረን። ኣብ’ቲ ዘመርዓዉዋ ዓዲ ሒዞማ ደው ኣይበሉን። ሩባ ተከዘ ተሳጊሮም፡ ወልቃይት ናብ ዝብሃል ዓዲ፡ ናብ ምድሪ ትግራይ’ዮም ወሲዶማ። እዚ ነገር እዚ ካብ ወላዲታ ክፈልያ ከሎ ዘስተውዓለት ሓረጉ፡ ካብ ምሒር ምብካይን ጭንቀትን ዝተላዕለ፡ ብኣዝዩ ብርቱዕ ረስኒ ቅጽበታዊ ረኽሲ እዝኒ የጋጥማ፣ ኣእዛና ከኣ ሃንደበት ክጻንዓ ይጅምር። ነዚ ዘስተውዓሉ ስድራ “መርዓዊ”፡ ናብ ወላዲታ ይመልስዋ’ሞ፡ ሕክምናዊ ክንክን ተገይሩላ ኣእዛና ናብ ንቡር ኩነታት ይምለስ። ሓውያ ምስ ረኣይዋ ግን፡ ዳግማይ ካብ ምውሳዳ ዓዲ ኣይወዓሉን። ወላ’ኳ ወላዲታ እንተ ተቓወመት፡ ብፍቓድ ኣቦኣ ግን ዳግማይ ናብ’ቶም ስድራ እንዳ ሓሞኣ ከም እትምለስ ተገብረ። ከም ብሓድሽ ውን ናብ ምድሪ ትግራይ ኣምረሐት። ኣብ ትግራይ ናብ ሓደ ጥንቆላ ዘካይድ ሰብኣይ ተወስደት። ብኡ ብኡ ከኣ እቲ ጠንቋሊ ብበሊሕ መላጸ ኣካላታ ሓሓሊፉ ጠብሓ። እቲ ነዚ ምጥባሕ ዘካየደ ሰብኣይ ኣብ ፈረስ ጽዒኑ ሒዙዋ እናተመልሰ ከሎ፡ ካብ ፈረስ ትወድቕ። ኣቐዲሙ ናብ ዝመደቦ ቤት ኣእትዩ ድማ፡ ነቶም ኣብ’ቲ ስፍራ ዝጸንሑዎ ሰባት፡ መፍለስ ሓሪዶም ብደም እቲ መፍለስ ገይሮም *ክጅልጡዋ* ይእዝዞም። ከምኡ ድማ ገበሩ። ብፈርሲ እቲ መፍለስ ገይሮም ይለኽዩዋ፣ ካብ ስጉኡ ጠቢሶም’ውን ንዓኣን ነቲ ዘመርዓዉዋ ወድን ይቕርቡሎም። ካብ ስጋ እቲ መፍለስ ምስ በልዐት፡ ካብ’ታ ሰዓት እቲኣ ጀሚራ ኣበይ ከም ዝኸደት ወይ እንታይ ከም ዝኾነት ብፍጹም ኣብ ዘይትፈልጠሉ ህሞት ኣተወት። ድሕሪ ነዊሕ ሰዓታት ሃለዋታ ክትፈልጥ ምስ ጀመረት፡ ንገዛእ ርእሳ ካብ’ቲ ኮፍ ኢላትሉ ዝነበረት ቦታ ለቒቓ ኣብ ዓራት ረኸበታ። ካብ ዓራት ክትወርድ ብድድ ክትብል ምስ ፈተነት ግን፡ ዘይተጸበየቶ ሓድሽ ነገር ተፈጥራ። ኣካላታ ሰንኪላ፡ ካብ ዓራት ክትወርድ ዘይትኽእል ኮነት። ብኸመይን ስለ ምንታይን እቲ ኩሉ ዘጋጠማ ኣጋጢሙ ወላ-ሓንቲ ትፈልጦ ምኽንያት የብላን። ኣምላኽን እቶም *ዝጀለጡዋ* ሰባትን ጥራይ’ዮም ዝፈልጡዎ። እንዳ ሓሙኣ ብስንክልታ ካብ’ቶም ገበርቲ እከይ ተቐበሉዋ። ናብ ቤታ ኣብ ክንዲ ዝመልሱዋ ግን፡ ናብ እንዳ ዘርኦም ዑቕባንኬል ዝብሃል ወዲ-ሓዎም ዝኾኖም፡ ሽመልባ ናብ ዝብሃል ዓዲ ወሰዱዋ። ኣብኡ ደርብዮማ ተመልሱ፡ ጾር እንዳ ዘርኦም ዑቕባንኬል ድማ ኮነት። ወ/ሮ ሸማይነሽ ብዓልቲ ቤቱ ንኣቶ ዘርኦም ብዝተኻእላ ዓቕሚ ክትከናኸና ጀመረት። ንነዊሕ እዋን ደሃያ ዝገብር ምስ ተሳእነ ግን፡ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፡ “ጓልኩም እንተስ ክትመውት እንተስ ክትሰርር፡ መጺኹም ውሰዱዋ” ዝብል መልእኽቲ ናብ እንዳ ቀሺ ኤልያስ መጸ። እግዚኣብሄር ፈቒድዎ፡ ንነጻነት ኤርትራ ክጋደል ዝወጸ ወዶም፡ ተጋዳላይ ኣማረ ኤልያስ፡ ብህይወቱ ስለ ዝተመልሰ፡ ህይወት ሓብቱ ግዲ ኢልዎ፡ ነጻነት ሃገር ኣውሒሱ እፎይ ከይበለ፡ ነጻነት ሓብቱ ከውሕስ ፈረሱ ተወጢሑ ናብ ሽመልባ ነቐለ። ኣካላዊ ስንክልና ዘማሰና ሓብቱ ሒዙ ኸኣ ንዓዱ ተመልሰ። ብቕጥታ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረላ ብዙሕ ጻዕሪ ገበረ፣ ፍረ ክርከቦ ግን ኣይተኻእለን። እቲ ዛንታ ነዊሕን መሪርን’ዩ። ኣብ ሓደ እዋን ውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ 16 ለካቲት 2008 ተተሪኹ ነይሩ። ስንክልናኣ ክፍወስ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ዓቕሚ ሄዋን ክሳብ እትበጽሕ ግን ናብ እትእለየሉ መሕደር ዘኽታማት ክትኣቱ ብዙሕ ጻዕሪ ተገብረ። እቲ ጻዕሪ ብካልእ ተጋዳላይ ሓዋ፡ ሓይልኣብ ኤልያስ፡ ንገዛእ ርእሱ’ውን ኣብ ምሕራር ሃገር ዝሰንከለ፡ ዝተገብረ’ዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ድማ እቶም ናበይቲ ዘኽታማት ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን (ካቴድራለ)፤ ንስንክልኑኡ ተደናጊጾም ነታ ዝሰንከለት ሓብቱ ተቐበልዋ። “ሀ” ኢላ ትምህርቲ ከም እትጅምር ድማ ተገብረ፣ ኣብ’ቲ መዕበያ ዘኽታማት እናተኣልየት ውን ኣካዳምያዊ ትምህርታ ክትዛዝም ከኣለት። ኣብ’ዚ ኩሉ መስገደል፡ ዘርከበ ኤርትራዊ’ዩ ክዝሕግዛን ክደጋገፋን ጸኒሑን ዘሎን። ክሳብ ሕጂ፡ ንኣስታት 35 ዓመታት ቓንዛ ትቕለብ፡ ብካታተር ትሸይን፣ ተስፋኣ ግን ምሕዋይ’ዩ። ኣብ ሃገረ ህንዲ ሕክምናዊ ክንክን ተጌሩላ ሽግራ ክፍታሕ ተኽእሎ ከም ዘሎ ጥዑም ንፋስ ነፊሱ’ሎ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ፡ ነዚ ተስፋ ሰኒቓ ኣብ ሃገረ ግብጺ እያ ትርከብ ዘላ። እሞኸ ድኣ ክቡራት ተደናገጽቲ ውጹዓት ዝኾንኩም ደቂ ሃገር፡ እዚ ንነዊሕ ዓመታት ዝጾረቶ ጾር ከነቕልለላ ዓቕምና ዘፍቕዶ ንወፍየላ። ኣምላኽ ይሓግዘና። ኣሜን!


ናይ ጎፋንድሚ ሊንክ እዚ ዝስዕብ’ዩ።

https://gofund.me/0d756a6a7


ብቐጥታ ክትረኽቡዋ ምስ እትደልዩ፡ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ተሌ. ክትረኽቡዋ ትኽእሉ ኢኹም።

+20 12 14961300

Donate

Organizer

Profile photo of Merih Tikue
Merih Tikue
Organizer
St. Paul, MN
  • Faith
  • Donation protected

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee