Main fundraiser photo

መሓውራ ዘልመሰ ሕማም ዓንዲ-ሕቖ፡ ኣገልጋሊት ሓፍትና ግምጃ፡ ንኽሕከም ንሓግዛ።

Donation protected
ሓቀኛ ኣምልኾ (ሃይማኖት)፡ ምርዳእ ዘኽታማትን “መበለታትን” ኢዩ።

ወ/ሮ ግምጃ ገብረልኡል ባህታ ትብሃል። ጸቕጢ ዓንዲ ሕቖ (lumbar disc compression) ብዘስዓቦ ሃንደበታዊ ስንክልና፡ ታሕተዋይ መሓውራ ምእዛዝ ኣብዩዋ፡ ምሉእ ብምሉእ ብሰናይ ደገፍ ሰባት እትንቀሳቐስ ዘላ ሕያወይቲ ኣደ ኢያ። ወ/ሮ ግምጃ፡ ወላ’ኳ ኣካላዊ ስንክልናኣ ካብ’ቲ ወትሩ ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል እተዘውትሮ ዝነበረት ላዕልን ታሕትን ካብ ምባል እንተኾለፋ፡ ኣብ እምነት ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ብዘለዋ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ጽንዓት ግን፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ወትሩ ንኻልኦት ሰባት ካብ ምጽላይ ዓዲ ውዒላ ኣይትፈልጥን ኢያ። በቲ ዝወረዳ ሃንደበታዊ ስንክልና ሓገዝ ኣዝማዳን መቕርባን ከተናዲ ኣብ ዝተገደደትሉ ግዜ’ውን እንተኾነ፡ ንመንፈሳውን ኣእምሮኣውን ጽንዓታ ዝፈታተን፡ ካብ ኣባላት ቤተ-ሰባን ካህናትን ድያቆናትን መበቆል ዓዳ ምንጻልን ጸቕጥን ኢዩ ገጢምዋ። ድሕሪ’ዚ ከቢድ ፈተና እዚ፡ መንፈሳን ነፍሳን ምሉእ ብምሉእ ናብ ጎይታ ኣልዒላ ንኣስታት 3 ዓመታት ቓንዛ ጸገበት። ጎይታ’ውን እሙንነቱ ኣርኣየ፡ ልኡላውነቱ ተጠቂሙ ከኣ፡ ናብ’ታ ብስጋን ብምደምን ምስኣ ወላ-ሓንቲ ዝምድና ዘይብላ፡ ብመንፈስ ግን ክብርቲ ሓፍታ ዝኾነት ጓል ጎይታ ወ/ሮ ሽዋይነሽ ኣብርሃም ከም እትመጽእ ገበረ። ቅድሚ እቲ ብቤተ-ሰባ ዝወረዳ ተነጽሎን ጸቕጥን እውን እንተኾነ፡ ጎይታ የሱስ፡ በቶም ብእምነት ኣሕዋታ ዝኾኑ ከም እኒ ኣገልጋሊ ግደይ ኢዩ ንረዲኤታ ዝፈጥነላ ዝነበረ። እምብኣርከስ፡ ወ/ሮ ግምጃ ሕጂ’ውን እንተኾነ ነዚ ዓይነት ረድኤት ጎይታ የሱስ ብምስትውዓል ኢያ፡ ንኹላትና ኣብ ዝተፈላለያ ቤተ-እምነታት ንእንርከብ ብጎይታ ኣሕዋታን ኣሓታን ዝኾንና፡ ካብ’ዚ ወሪድዋ ዘሎ ከቢድ መከራ ኣምሊጣ ንቡር ሂወታን ንጡፍ ኣገልግሎታን ንምግባር፡ ንዓና ንበረኸት ንዓኣ ከኣ ንጥዕና ዝኸውን ሓገዝ ክንገብረላ ትላበወና ዘላ። ኩልና ብጎይታ የሱስ ክርስቶስ ደቂ ኣምላኽ ኢና እንብል ኣመንቲ ፕሮቴስታንት ኮነ ተዋህዶ ወይ ካቶሊክ፡ ፍልልያትና ከይጸብጸብና፡ እቲ ጎይታ የሱስ ዝተላበወና ለበዋ ጥወራ-መበለታት ከነተግብር መንፈስና ነንቅሕ። እቲ ኣብ’ቲ ቪድዮ ተቐሪጹ ዘሎ ምስክርነትን ለበዋን ብፍሉይ ንክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን መሰረት ዝገበረ’ኳ እንተኾነ፡ ጽጉማት ምሕጋዝ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሕልና ዘለዎ ወዲ-ሰብ ስለዝኾነ ግን፡ ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ጻውዒትና ንኹሉ ህዝቢ ነቕርብ። ኣምላኽ ይባርኽኩም፡ ኣሜን።

ያዕቆብ 1፡27
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።




Donate

Donations 

  • Desale Mosazgi
    • $100
    • 1 yr
  • Lwam Tekie
    • $50
    • 1 yr
  • Thomas Cito
    • $50
    • 1 yr
  • Daniel Ghebrenugus
    • $50
    • 2 yrs
  • Anonymous
    • $50
    • 2 yrs
Donate

Organizer

Merih Tikue
Organizer
St. Paul, MN

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee