Main fundraiser photo

Global Yiakl

Donation protected
ንምዕዋት ፍትሓዊ ለውጢ-እጃምና ነበርክት
ምንቅስቃስ ይኣክል ብህዝባዊ ምልዕዓል ንፍትሓዊ ለውጢ ዝቖመ ህዝባዊ ትካል ኮይኑ እንሆ ካልኣይ ጉባኤኡ የቓንዕ ኣሎ። ወናኒኡ ዝኾነ ህዝቢ ዘሰከሞ ናይ ለውጢ ሸቶታት ኣብ ምዕራፉ ንኸብጽሕ ናትኩም ገንዘባዊ ወፈያ ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ብሩህ እዩ። ድሕሪ ጽጹይን፣ ቕሉዕን ኩለንትናዊ ገምጋም ናይ ዝጸንሖ ተመክሮ ድሕሪ ምስላጥ፣ ዝተወሃሃደ ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ብምስልሳል፡,ነቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝብህጎ ለውጢ ግሁድ ኣብ ምግባር እጃሙ ከበርክት ተዳልዪ ይርከብ።
ሀ፡ ምንቅስቃስ ይኣክል ከም ህዝባዊ ምንቅስቃስ መጠን ሰፊሕ ዝርግሐን ዝምድናታት ምስ ዲፕሎማሳውያን ትካላትን መንግስታትን ስለዝጸንሖ፣ ንምብዳህ መሓውራትን ህግደፍ ኣብ ዲያስፖራ ከም ዓቢ ዕማሙ ወሲዱ ክሰርሓሉ ይርከብ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳን ከምዝተዓዘብናዮ፣ ንስርዓት ኢሰያስ ኣብ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማስያዊ ባይታ ምብዳህን ምስዓርን ኣገዳስነቱ ዓቢ ምኻኑ፣ ክሉና ንምስክሮ እዩ። ኣብዚ ዓውዲ ምንቕስቃስ ይኣክል፣ ወሳኒ ተራ ክጻወት ብዙሕ ህዝቢ ዝጽበዮ ዘሎ ጉዳይ እዩ ። ምንቕስቃስ ይኣክል ነዚ ዝምልከት፣ ዝተወሃሃደ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት ብምውሳድ፣ ናይ ኣህጉራዊ ሕግን ጥብቕናን ተመክሮ ዘለዎ ኪኢላታት ምውካስን ምቑጻርን፣ ዝምልከተን ዘይመንግስታዊ ትካላት ምውካስን፣ ደገፍቲን ጸለውቲ መሓዙ ቃልስና ምምልማልን ምኽሳብን፣ ዘይሕጋውያን ናይ ህግደፍ ንጥፈታትን ኣሳሰይንት ምልላይን ምቕላዕን፣ ክለንትናዊ ዲፕሎማስያዊ ዕማማት ምስ ናይ ቃልሲ መሓዙት ምስራዕን ምትግባርን፣ ወዘተ፣ ከሳልጥ ይሕልን። ነዚኦም ኣገዳስትን እዋናውያን መደባት ኣቀዲሙ መታን ክሰርዕን ከዳሉን፣ ዘተኣማምን ፋይናንሳዊ ሓገዛት ብምግባር ነዚ ተሊምዎ ዘሎ መደባት ብዘይምትእጉጋል ሸትኡ ከምዝወቅዕ ምግባር ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ።
ለ፣ ምንቅስቃስ ይኣክል ሰፊሕ ናይ መራኸቢ ብዙሃንን ጎስጓስን ንኣብ ውሽጢን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ናይ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን ንምልዕዓልን ኣካል ናይቲ ናይ ለውጢ ከይዲ ንምግባር ንዘሎ ተልእኾ ከበርኾን ይምድብ። ነዚ ዝምልከት ኣብ ስደት ናይ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኮንፈርንሳትን ጉባኤታት፣ ስነ-ጥበባዊን ባህላውን ዑደት መሪሕነታትን ናብ መሰረታትን ተመሳሳሊ መደባት ክዕመም ንጽበዮ። ቐንዲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ፣ ናይ ሓጺር ማዕበል ሬድዮ ፈነወ፣ ናይ ሳተላይት ተለቪዥን መደባት ምዕባይን፤ ሮቦኮል ናብ ውሽጢ ኤርትራ ብስሩዕ ምትእትታውን፣ ወዘተ ከም ቀንዲ ኣገባባት ኮይኖም፣ ውሕስነትን ቀጻልነት ናይዞም መደባት ድማ ብዘይ ፋይናንሳዊ ቀረባት ከምዘይከኣል ንኹልና ግልጺ እዩ። ኣብ’ዚ ወሳኒ ናይ ቃልሲ መድረኽ፣ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ክንበጽሕን ከነበራብሮን ልዕሊ ማንም እዋን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ።
ሐ፣ ብተመክሮ ቃልሲን ኣብ ይኣክልን ብዝግባእ ካብ ዝተገንዘብናዮ፣ ንምስላጥ ዕለታዊ ትካላዊ ምሕደራ ምንቕስቃስ፣ ምዕማም ዋኒን ቃልሲ ኣብ እዋኖም፣ ንምውህሃድ ዝተፈላልዩ ስራሓትን፣ ግዚኦም ወፍዮም ዝሰርሑ ውፉያት ኣመሓደርቲ ከምዘድልዩ እዩ። ነዚኦም ንዕለታዊ መነባብርኦም ዝኸውን ናይ ፋይናንሳዊ ካሕሳ ተመዲቡ ኣብ ሓጺር እዋን መታን ክጅመር ምእንቲ፣ ኩልና በብዓቕምና ፋይናንሳዊ ወፈያ ከነበርክት ድልዋት ክንከውን ንምሕጸን።
ሕጂውን ተስፋና ኣብቲ ዘበገሰና ህዝብና እዩሞ ገንዘባዊ ወፈያ 2022 ነበግስ ኣሎና። ኣብ ምጅማር ሓድሽ ባይቶ ዓለምለኻዊ ይኣክል፣ ህዝብና ምርኩስና ምኻኑ ኣሚንና ወፈያኹም ከተበርክቱልና ብትሕትና ንሓትት።
ስለቲ ልግስኹም ኣዚና ነመስግን፤ ትሕዝቶኹም ይሰስን!
ንሓርነት ብሓድነት፥
ምንቕስቃስ ይኣክል



Donate

Donations 

  • Girmay Gerezghier
    • $100 
    • 1 yr
  • Ghenet Berhane
    • $500 
    • 1 yr
  • Saba Abraham
    • $1,000 
    • 1 yr
  • Ghebrehiwet Tesfa
    • $100 
    • 2 yrs
  • BEREKET kahsay
    • $200 
    • 2 yrs
Donate

Organizer and beneficiary

Global Yiakl
Organizer
Washington D.C., DC
Rezan Michael
Beneficiary

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily.

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about.

  • Trusted

    Your donation is protected by the  GoFundMe Giving Guarantee.