ሓገዝ ንገዳም ደበረ ጽጌ ግንባ ልዑል

  • N
222 donantes
0% complete

Se recaudaron £11,085 de £100 mil.

ሓገዝ ንገዳም ደበረ ጽጌ ግንባ ልዑል

Donación protegida
ገዳም ደበረ ጽጌ ግንባ ልዑል"

ብእግዚአብሔር ደብር ቅዱስ በአቡነ ኤዎስጣቴዎስ ግንባ ልዑል ብአቡነ ዮናስ ደብረ ጽጌ ዝብል ታሪኻዊ ስያሜ ዘሎዋ፡ ገዳም አቡነ ዮናስ ደብረ ጽጌ (ግንባ ልዑል) ከምኡ ውን ካብ እቶም አለዉ ዝበሃሉ አብ ሃገርና ዝርከቡ አማኢት ዓመታት ዘቑጸሩ ታሪኻውያን ገዳማት ሐንቲ ከምዘኾነት ኩላትና ኪንፈልጦ ዝግባአና ሐቂ እዩ።

ብተወሳኺ ውን እዛ ገዳም እዚአ አብ ካልኦት ዘይርከቡ በዓይነቶም ፍልይ ዝበሉ በዓይኒ ዝርአዩን ብኢድ ዝድህሰሱን ናይ ነገሥታትን መሳፍንትን አዕጽምቶምን ዘውድታቶምን ከምኡ ውን ናይ ጻድቕ አቡነ ዮናስን አቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃንን ሐዊስካ ብዝርዝር ኽንገልጾም ዘይንኽእል አዜዮም ብዙሐት ፡ ዝተፈላለዩ ቅርሳቅርስ ዝወነነት ገዳም ብምዃና ንኹላትና ደቂ ተዋህዶ መንፈሳዊ ሐበን ክስማዓና ይግባእ።

ይኹን እምበር ገዳም አቡነ ዮናስ ደብረ ጽጌ (ግንባ ልዑል) አኽራናት አብዝበዝሖን ህዝቢ ክርስቲያን ብቐሊሉ ኽበጽሖ አበዘይኽእል ሥፍራን ብፍቓደ እግዚአብሔር ስለ ዝተደኮነት ብመጠኑ ሓገዝ ህዝብን ድጋፍን ብዘይምርካባ አብ አዚዩ በዳሂ ኹነታት ስለ እትርከብ፡ እቲ ታሪኽን ቅርስን ተዓቂቡ ናብ ወለዶ ንኽቕጽል ናይ ኩልና ተራ ስለ ዘድሊ አብ ኩሉ ኩርዓት እትርከቡ ኩልኹም ደቂ ተዋህዶ ሐምሣ ለሚን ንሓምሳ ሰብ ጌጽ እዩ ከምዝበሃል ዓቕምኹም ዝፈቐዶን ዘዝኸአልኩሞን ሓገዝ ንኽትገብሩ መንፈሳዊ ጻዊዔትና ነቕርብ።


"እኳ ደአስ ብልዕን ምምራትን አብ ዘየበላሽዎ ሰረቕቲ ኩዒቶም አበዘይሰርቅዎ አብ ሰማይ ሃብቲ አክቡ፡ ማቴ፡ 6÷20)

* "በቲ እትሰፍርሉ መስፈር ኪስፈረልኩም ኪውሰኸልኩም ውን እዩ" ማር፡4÷24)

"ንሰብ ኩሉ ዓለም ረቢሑ ነብሱ እንተ ኣጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ? ሰብከ በጃ ነብሱ እንታይ ዘይመሃበ"ማቴ፡16÷26)

"ሃቡ ኪዋሃበኩም እዩ። በቲ ትሰፍርሉ መስፈሪ ኪስፈረልኩም እዩ እሞ ፅቡቕ ዝተሰጐደ ንኽንኽ ዝተፋረወ መስፈሪ አብ ሕቕፈኹም ኪህቡኹም እዮም" ሉቃ፡6÷38)
አምለኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ ነብሲ ወከፍ በጓሂ ወይ ከአ ብግዲ ዘይኮነስ ከምቲ ብልቡ ዘሐለኖ ብሓጎስ ይሃብ።

አምላኽ ከአ ዜድልየኩም ኩሉ ረኺብኩም ብሠናይ ተግባር ኩሉ እዙዛት ኬይንኩም ምእንቲ ክትርከቡ ጸጋ ኬብዝሐልኩም ይኽእልዩ።

እቲ ንዘራኢ ዘርኢ ንምግቢ እንጀራ ዝህብ አምላኽ ፡ ዘርኢ ኪህበኩምን ኬበርክተልኩምን ከም መጠን ልግስኹም ከአ ንምህርትኹም ኬበርክተልኩም እዩ።

ኩሉ ግዜ ለጋሳት ምእንቲ ኽትኮኑ ብኹሉ ወገን ኬሃብትመኩም እዩ። እቶም ነቲ ውህበትኩም ብኢድና ዝቅበሉ አቦታት መነኮሳት ድማ ንአምላኽ ኬመስግኑ እዮም።

እዚ ናይ ልግሲ አገልግሎትኩም ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ገዳማውያን አቦታት ምምላእ ጥራይ ዘይኮነስ ሰብ ንእግዚአብሔር ዝዓዘዘ ምስጋና ኸም ዜቅርብ እዩ ዚገብር።

እቶም ቅዱሳን ድማ ይናፍቑኹም እዮም ስለቲ አባኻትኩም ዘሎ ማእለያ ዘየብሉ ጸጋ አምላኽ ኪበዝሐልኩም ምእንታኻትኩም ይጽልዩ እዮም። 2: ቆሮ፡ 9÷7-14)

እሞ እምበአርከስ ኩላትና አብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እንርከብ ደቂ ተዋህዶ አብ ኪንዲ ሐደ ሰላሣ አብ ክንዲ ሰላሣ ሱሳ አብ ክንዲ ሱሳ ምኢቲ ዕጽፊ ፍረ ጽድቂ ምእንቲ ኪነፍሪ ከምኡ ውን በረኸት ሥጋን በረኸት ነብስን ኺነረክብ አብዚ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ሐገዝ ዕደመ ኩላትና ብቕኑዕ መንፈስ ነሳተፍ።

በረኸት አማላድነት ጻድቅ አቦና አቡነ ዮናስ ምስ ኩላትና ይኹን አሜን!!


ማሕበር ገዳም አቡነ ዮናስ ደብረ ጽጌ (ግንባ ልዑል)

Organizador

Danait Tsegay
Organizador
England
  • Otras
  • Donación protegida

Un sitio fácil, eficaz y de confianza donde encontrar ayuda

  • Fácil

    Dona de forma rápida y sencilla

  • Eficaz

    Envía ayuda a la gente y las causas que te importan

  • Confiable

    Tus donaciones están protegidas por la Garantía de donaciones de GoFundMe