Main fundraiser photo

ሓገዝ ንብሕማም ካንሰር ትሳቐ ዘላ ሓፍትናን ኣዴናን ብርኽቲ ኣማኑኤል

Donation protected
ሓገዝ ንብሕማም ካንሰር ትሳቐ ዘላ ሓፍትናን ኣዴናን ወ/ሮ ብርኽቲ ኣማኑኤል ተኽለ። ወ/ሮ ብርኽቲ ኣዲኡ ንስነጥበበኛ ፊልሞን ማሕራይ (ሽንግርዋ) ኮይና፡ ኣብ ሃገረ ሱዳን ንነዊሕ ዓመታት ብሰንኪ ሕማም ካንሰር ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኩሉ ህዝቢ ብመንገዲ ኣራራት ኢንተርተይመንት ኣብ ዝተገበረ ቃለምሕትት ምስ ወዳ ድምጻዊ ፊልሞን ማሕራይ ድሕሪ ምክትታሉ ንወ/ሮ ብርኽቲ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልያ ፈሊጡ ብመንገዲ ቤተሰባ ዝወጸ GofundMe ሓገዝ ክገብረላ ተጋይዩ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ልዕሊ 30.000 ሰላሳ ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ተኣኪቡ። በዚ ካብ ህዝቢ ዝተዋጽአ ገንዘብ ንወ/ሮ ብርኽትን ንወዳ ፊልሞንን ንቤተሰባን ንኩሉ ብሕማማ ዝተሻቀለ ህዝብን ብገለ ክፋሉ ተስፋ ዝህብን ንዝያዳ ሕክምና ናብ ካልእ ሃገር ክትከይድን ባይታ ዝፈጥር ነበረ። ብናይ ቤተሰባን ፈተውታን ጻዕሪ ድማ ነዚ ዝተዋጽአ ገንዘብ ኣሚና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንልዑል ሕክምና ናብ ሃገረ ቱርኪ መጺኣ ትርከብ። እንተኾነ ቱርኪ መጺኣ ሕክምና ክትጅምር ገንዘብ ይሰደድ ምስ ተባህለ ነቲ GofundMe ከፊትዎ ዝነበረ ቤተሰባ ኣብ ናይ ሕሳብ ባንኩ ብዝተፈጠረ ምስንኻላት ዋና ኣካየድቲ GofundMe ናብ ሕሳብ ባንኩ ክሰድዎ ከምዘይክእሉ ብምሕባር ንኹሉ እቲ ዝተዋጽአ ገንዘብ ነናብ ዋናታቱ ከምዝምለስ ጌሮሞ። በቲ ካብ ህዝቢ ዝተዋጽአ ገንዘብ ኣሚና ሕክምንኣ ክትጅምር ናብ ሃገረ ቱርኪ ዝመጸት ወ/ሮ ብርኽቲ ድማ ሓዲግ ብምትራፍ ኣብ ትጽቢት ትርከብ።
ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝተጠቀሰ በዓል ቤታን ኣቡኣን ስውኣት ዝኾኑ ወ/ሮ ብርኽቲ ወዳ ከተዕቢ ዝሓለፈቶ መሪር ሂወት ወላ ብሕማም ተደኒሳ እንከላ ኣብ ሃገረ ሱዳን እንጀራ እናሸቐጠት ንናብራ እናበድሀት እያ ሃንደበት ዓራት ሒዛ፡ ብድሕሪኡ ድማ ዝነበራ ተስፋ እናጸልመተ ከይዱ። ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት እቶም ቅድሚ ሕጂ ኣዋጺእኩም ዝነበርኩም ነተን ተመሊሰናኹም ዘለዋ ገንዘብ ከምሓድሽ ኣብዛ ኣውጺናያ ዘለና GofundMe ክትመልስወን ብትሕትና ንሓትት። እቶም ቅድሚ ሕጂ ብዝኾነ ምኽንያት ዘየዋጻእኩም ድማ ንሂወት ክብርቲ ሓፍትናን ኣዴናን ንምድሓን እጃምና ከነበርክት ብትሕትና ንሓትት። ንዝያዳ ሓበሬታ ብ 0046729083046 ብ Whatsapp ተወከሱና።
ኣምላኽ ኣብ ዘዘለናዮ ሰላምን ጥዕናን ይሃበና!

Brikti is the mother to my dear friend Filimon who is currently in Eritrea with has reached out to me seeking assistance. I took the initiative along with other friends to help this individual get the treatment that she needs so that she may once again reunite with her only loving son.  Once the funds is collected from GoFundMe, it will be sent over to Istanbul, Turkey (where she is currently located for treatment) via wiring or western union.  The funds will be spent for hospitalization, and treatments that are very expensive. She is battling cancer and will be going through various types of chemotherapies which can cost thousands of dollars. 
 

Organizer

Henok Ghebrewoldi
Organizer
Charlotte, NC

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about

  • Trusted

    Your donation is protected by the GoFundMe Giving Guarantee