Main fundraiser photo

Give back to Amir Dawud

Donation protected
https://youtu.be/y2BKUVCbI2c 

"ልግሲ" ማለት ካብ ቃል ሓሊፉ ብተግባር ዘርኣየና ዉፉይን ለዋህን ሓውና ድምፃዊ ኣሚር ሃንደበት ሓሚሙ ዓይደር ሆስፒታል ኣትዮ ኣብ ከቢድ ኩነታት ይርከብ። ኣብ ዓዲ ዝርከቡ ናይ ቐረባ ፈተውቱን በዓልቲ ቤቱን ዝከኣሎም እናገበሩ ዝነበሮም ገንዘብ ነጊፎም እናሐከምዎ እዮም። እቲ ሃንደበታዊ ሕማም ክብድ ምስቲ ምባሉ ዝለዓለ ክትትል ሕክምና ናብ ዝረኽበሉ ቦታ/ ሃገር ከይዱ ክሕከም ክንሕግዞ ኣለና። 

ክህብ እምበር ሃቡኒ ኢሉ ክልምን ሓሲብዎን ተመንዩዎን ዘይፈልጥ ለዋህ ኣሚር ኮነ ቤተሰብን መሓዙትን ኣሚር ወፃእታት ሕክምና ብባዕሎም ክሽፍኑ ኳ እንተፈተኑ ሐዚ ግን ልዕሊ ዓቕሚ ቤተሰብን ናይ ቀረባ የዕሩኽቱን ኮይኑ ኣሎ ሞ ኢደይ ኢድካ ኢልና ነቲ "ካብ ሙሉእ ኣልበሙ ዝርከብ ኣታዊ ንተመዛበልቲ ወገናተይ" ኢሉ ዘወፈየ ለጋስ ድምፅዊ ንሕና ውን ብተራና ኣጆኻ ኣለናልካ ክንብሎ ይግባእ።

ሓሚሙ ያ ሰሚዕኩም ዝሰንበድኩምን ዝሓዘንኩምን ኩልኹም ብፀሎትን ብገንዘብን ናይ ምሕጋዝ ዕድል ካብ ተረኸበ እታ እትኽእሉዋ ብምውፋይ ወገናውነትኩም ክትገልፅሉ ብኽብርን ብትሕትና ንሓትት። 

ኩነታት ጥዕንኡ እናተኸታተልና ክነፍልጠኩም ምዃንና ክንሕብረልኩም ንፈቱ።
Donate

Donations 

  • Anonymous
    • $10 
    • 5 yrs
Donate

Fundraising team: Tegaru (3)

Zen Tegaru
Organizer
St. Paul, MN
Fitsumberhan Beyene
Team member
Bereket Mekonnen
Team member

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily.

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about.

  • Trusted

    Your donation is protected by the  GoFundMe Giving Guarantee.