Main fundraiser photo

Support Artist Rigat Tekle (Medical care)

Donation protected
Hi my name is Tesfaluul Gabriel and i am reaching out our Eritrean community with helping our belived artist Rigat Tekle. For her emergency medical expenses.
ርግኣት ተኽለ

ስነጥበባዊት ርግኣት ተኽለ ኣብ ልቢ ኩሉ ኣፍቃሪ ስነጥበብ ኤርትራ ዝስፈረት ፡ ብሞያኣን ቅንዕናኣን ኣደኣዊ ባህርኣን ፡ ካብ ህጻን ኮነ መንእሰይ ክሳብ ሽማግለ ዝምስክረላ ፡ ሓንቲ ካብቶም ከዋኽብቲ ጥበብ ዝኾኑ ተዋሳእትን ደረስትን ኣለይትን ሃገርና እያ።
ተጋዳሊት በዓልቲ ሞያ ጥበብ ዝኾነት ርግኣት ተኽለ ፡ ገና ጓል 14 ዓመት እንከላ እያ ንሰውራ ኤርትራ ተጸንቢራቶ። ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ድማ ከም ኩሎም ብጾታ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ትነጥፍ ነይራ ፡ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ኣብ ዝኣተወትሉ ድማ ኣብ ብዙሕ ኩነታት ተሳቲፋ ተወጊኣን ሰንኪላን እያ። ኣብ ኦምሓጅር ኣብ ጽዕጹዕ ኩናት ብዝወደቖም ሞርታር 4 ብጾታ ኣብ ቅድሚ ዓይና ክትስእን እንከላ ፡ ንሳ ኣብ ኣካላታ ምስ ዝተነዝሐ ስኮጆታትን ብመቑረጽቲ ሓንቲ ኣመልካቲቶ ኢድን ብህይወት ተሪፋ ክሳብ ናጽነት ውን ጸኒዓ ተግዲላ ኣትያ።
ርግኣት ተኽለ ካብ ዝነኣሰ ክፍላታት ክሳብ ናይ ምኒስተር ማሕሙድ ሸሪፎ ኦፕሬተር ብምዃን ኣገልጊላ እያ። ናጽነት ክትኣቱ እንከላ ከም ብዙሓት ተጋደልቲ በሰላን ቃንዛን ኲናት ኣብ ዝባን ንእስነታ ጽሕዩ እዩ። ምስ ዝነበራ መውጋእትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ድሒሩ ዝሰዓበ ውሽጣዊ ጥዕና ምስኣንን ምስ በዓል ቤታ ተጋዳላይ ድምጻዊ ሙሴ እምባየ ሓደ ውላድ ማለት ድምጻዊ ፍረሰላም ሙሴ ምስ ወለደት ፡ ስንክልንኣ ብዝፈጠሮ ጸቕጢ ተደጋጋሚ ናይ ውላድ ምስንኻል ኣጋጢምዋ ፡ ኣደ ሓደ ኮይና ኣዕሪባታ ምድሪ። ይኹን ደኣምበር ናይ ስድራቤታን ናይ ሓዳራን ጾር ተሰኪማ ንኹሉ እኽእሎ እየ እናበለት ንጓኖት ስኡናት እውን እናሓገዘት ብተስፋ ብጽንዓት ብትዕግስቲ ኣብነት ብዙሓት ኮይና ቃንዛ ውሽጣ ጸይራ ከም ናተይ ንኹሉ እናበለት በቲ ዘይነጽፍ ናይ ተስፋ ቃላታ ብዙሓት ሰብ ምሉእ ተስፋ ንክኾኑ ገይራ እያ።
ርግኣት ተኽለ ነገር ተፈጥሮ ኮይኑ ኣካላታ ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ዘድልየሉ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሕክምና ኢላ ምስ መጸት ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እውን ብዘጋጠማ መውደቕቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ንልዑል ሕክምና ንደገ ክትከይድ ዘደረኸ ውሽጣዊ ናይ ጥዕና ጸገማ መስበርቲ ተወሲኽዎ ፡ ብደገፍ ሰባት ክትስጉም ተደሪኻ ኣላ።
ውሽጣዊ ኩነታታን ናይ እግራ መጉዳእትን ምንዝናዝ ኣብ ኣካላታ ዘሎ ስኮጆታትን ግዜ ዘይህብ ስለዝኾነ ናብ ሃገረ ቱርኪ ንዝላዓለ ሕክምና ክትከይድ ፡ ኩልኹም ኣሕዋት አእጃምኩም ከተበርክቱ ንምሕጸን ።

Organizer and beneficiary

Tesfaluul Gabriele
Organizer
Rome, Metropolitan City of Rome
Yoh Sim
Beneficiary

Inspired to help? Start a fundraiser for someone you know

Help someone you know by raising funds and getting their support started.

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily.

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about.

  • Trusted

    Your donation is protected by the  GoFundMe Giving Guarantee.