ሰላምታ ብምቕዳም
ዘፍቅራ ዘኽብራን ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ሰላም ጴጥሮስ ተወልደብርሃን ብዝሓደራ ሕማም ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ምፍላያ መሪር ሓዘን እናተሰምዓና ነዚ ናይ ሓገዝ Gofund.me ክሰዶ ፍቐዱለይ።
ኣብ ዘመን ሂወትኪ በቲ ዘጋጠመኪ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ስቓይን ተጻዊርኪ ሞራልኪ ከየዕረብኪ ነቲ ፈውሲ ኣምላኽ ብእምነት ጾሎትን እንዳ ተጸበኺ ንበዓል ቤትክን ደቅኽን ሞራል እንዳ ሃብኪ ንዝያዳ ንምሕዋይን ፈውስን እንዳ ተመነኺ ሃረርታ ክፍጸም ዝገበርክዮ ትዕግስትን ኣብነት ዝኾንክና እንዳ ዘከርና ንፈጣሪ ኣብ ዘለኣለማዊ መንግስቱ ክቅበለኪ ብጾሎት ንልምን።
ሓመድ ድበ ትለብሰሉ መዓልቲ 08.05.2026 ሰዓት 10:00 ቅድሚ ቀትሪ
ምንቲ ነብስሄሪት በዓልቲ ቤተይ ሰላም ጴጥሮስ ኣብ ዝዓርግ መስዋእቲ ቅዳሴ ጾሎት ፍትሓት ክትሳተፉ ድማ ብኽብሪ እጽውዕ። ንእሽቶ ሓገዝ ስለዘየልቦ ድማ ኩላትና ኢደ ኢድካ ኢልና ኣብዚ ዓቕምና ክንሕግዝ እሓትት።
በዓል ቤታን ግርማይ ኣብርሃ ሓንስ