Main fundraiser photo

"ኣዛብእ" ዘበላሸውዎ፡ ልቢ ዝትንክፍ ሂወት ዶናቴላ ክሕከም ዝተኻእለና ንሓግዝ

Donation protected
ኣዛብእ ዘበላሸውዎ ሂወት ዶናቴላ ከነሕዊ እጅገና ንሰብስብ!
ዘቢብ ዮሱፍ (ዶናቴላ) ትበሃል። ብ1998 ካብ ወላዲኣ ኣቶ ዮሱፍ ዓሊን ወላዲታ ወ/ሮ ፌቨን ዶሜኒኮን ኣብ ባጽዕ ተወሊዳ፡ ኣብ ኣስመራ ድማ ዓብያ። ዶናቴላ ጓል 24 ዓመት ኮይና፡ ቦኽሪ ውላድ ኣቦኣን ኣዲኣን ኢያ። ከም’ቲ ንቡር፡ ቦኽሪ ውላድ ሓላፍነት ወለዲ ብቐረባ ዝርዳእን ጌና ምሉእ ዓቕመ-ኣዳም ከይበጽሐ’ውን ምስ ወለዲ ኮይኑ ነቶም ዝተረፉ ንኡሳን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ክድግፍ ዝዓትብ ኢዩ። እዚ ሓላፍነት እዚ፡ ንዶናቴላ እውን ዕጫኣ ኢዩ ነይሩ። ወላዲኣ ኣባል 9ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ወላዲታ ከኣ ኣባል 4ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዮም። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ዝነበራ ሓላፍነት’ውን ብመንጽሩ ክብድ ክብል ናይ ግድን ኢዩ። እዚ ኣብ ቦትኡ እንከሎ ግን፡ ነዚ ስድራ-ቤታዊ ሓላፍነታ ዝዕንቅፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ክቡራት ወለዳ’ውን ኣብ ልዕሊ እታ ሓጋዚቶም ክትከውን ዕጫ ሓላፍነት ዝበጽሓ ቦኽሪ ጓሎም ተደራቢ ሓላፍነትን ጥወራን ኢዩ ኣጋጢምዎም።
ዶናቴላ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ሞያዊ ትምህርቲ ክትቀስም ካብ ስድራ-ቤታ ተፈላያትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ኢዩ እምበኣር በዚ መጺኡ ዘይተባህለ፡ ካብ ትጽቢት ሰብ’ውን ወጻኢ ዝኾነ ሓደጋ “ኣዛብእ” ዝገጠማ። ኣብ’ቲ ሓደጋ ዘጓነፋ መጉዳእቲ፡ ንኽትርእዮስ ይትረፍ፡ ንክትሰምዖ’ኳ ዘሰቅቕ ኢዩ። ላዕለዋይ ክፋል ርእሳ (መንበስበስታ) ተበጂሉ፡ የማናይ እዝና ተመንጪታ፡ የማነይቲ ኢዳ ክሳብ ናይ ኣጻብዕታ ኣዕጽምቲ ተሰባቢሩ። እዚ ደጋዊ ጥራይ ዝመስል መጉዳእቲ ከይኣክል ግን፡ ናይ ርእሳን ናይ ኣእዛናን መትንታት ስለ ዝተተንከፈን ሓደጋ ስለ ዝገጠሞን፡ ፍርቂ ገጻ መልመስቲ ኣጓኒፍዎ። ኣብ ኣስመራ፡ ንኣስታት 14 ግዜ ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ንዓለምና ኣብ ብዙሕ ስንክልና ዘእተወ ናይ ኮሮና-ቫይረስ መጥቃዕቲ ብዝፈጠሮ ሕክምናዊ ምምዝባላትን ስእነት እቶም ንሃገሮም ከይዶም ክምለሱ ዘይከኣሉ ወጻእተኛታት ሓካይምን፡ እቲ ዝጀመረቶ ሕክምናዊ ክንክን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዓወት ክብጽሕ ኣይከኣለን። ስለ’ቲ ዝተገብረላ ክንክን ንኩሎም ናይ ውሽጥን ናይ ወጻኢን ሓካይም ብስም እግዚኣብሄር እንዳ ኣመስገንና፡ በቲ ተዋሂብዋ ዘሎ ናይ ወጻኢ ሕክምናዊ ክንክን ተስፋ መሰረት፡ ኣብ ኤውሮጳ ከይዳ ናይ Plastic Surgery ከምኡ’ውን ናይ ጅማውቲ ሕክምናዊ ክንክን ንኽግበረላ ሰፍ ዘይብል ዓቐን ገንዘብ ኢዩ ተሓቲቱ ዘሎ’ሞ፡ ነቲ ብናይ ውሽጢ ሃገር ዓቕሚ ዝተፈለመ ምሕዋይ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ኣብ ዝባንና ተሰኪምና ናብ መዕረፊኡ ከነብጽሖ ናይ ነፍሲ-ወከፍና ሓገዝ ክጠልበና ኢዩ። ነዚ ሰናይ ዕላማ ክንገብር፡ ኣምላኽ ጸጉኡ የብዛሓልና፡ ኣሜን!

Organizer

Merih Tikue
Organizer
St. Paul, MN

Begin your fundraising journey

Create a fundraiser for any person, cause, or nonprofit - it's free and every cause matters.

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily.

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about.

  • Trusted

    Your donation is protected by the  GoFundMe Giving Guarantee.