ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ጡባ ዝተቖርጸት ሓፍቲ፡ ሂወታ ኣብ ሓደጋ ትርከብ።
Donation protected
ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ጡባ ዝተቖርጸት ሓፍቲ፡ ሂወታ ኣብ ሓደጋ ትርከብ።
ሱየር ደጁ ትብሃል። ጓል 32 ዓመት ኢያ። ሃንደበት ኣብ ጡባ ብዝወጻ ጥረ ዝጀመረ ሕማም፡ ናብ መንሽሮ ማዕቢሉ ክሳብ ጡባ ናብ ምቑራጽ ኣብጺሕዋ ይርከብ። ወዲ ሓደ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ቆልዓ፡ ጡብ ኣዲኡ ከይጸገበ ተኾሊፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መንሽሮ ጽልውኡን ሳዕቤኑን ኣብ ካልእ ክፋል ኣካላታ ከየስፋሕፍሕ ምእንቲ፡ ብኣጉኡ ክትክተሎም ዘለዎ ናይ ኪሞ ተራፒታትን ክትወስዶም ዘለዋ መድሃኒታትን ኢዮም እምብኣር ቀንዲ መበገሲ ጻውዒታ ኮይኖም ዘለዉ። ብሂወታ ክትቅጽልን ውላዳ ብዝግባእ ከተዕብን ከኣ፡ ዋጋታት እዞም ሕክምናዊ ክንክናት ሻቕሎት ፈጢሮሙላ ኣለዉ’ሞ፡ ነቲ ሓጺርዋ ዘሎ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ተገንዚብና፡ እግዚኣብሄር ብዝሃበና መጠን ጸጋን ዓቕምን፡ ኢደይ ኢድና ኢልና ደገፍናን ድንጋጼናን ነርእያ። ተባረኹ/ኻ።
Organizer
Merih Tikue
Organizer
St. Paul, MN