
Simon Fisshaye (Gucci)
Donation protected
ሞት ሓውና ሳይሞን ፍስሃየ ስብሃቱ
ናብ ኩላትኩም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፦
እዚ ሞት ሳይሞን ፍስሃየ ስብሃቱ ክንገልጽ ከሎና ዝስምዓና ከቢድ ሓዘንን ጋህን መወዳእታ የብሉን።
ሳይሞን ፍስሃየ 29/06/1997 ኣብ ኤርትራ ዓዲ ብላይ (መንደፈራ) ተወሊዱ፡ ከም ኩሉ ሰብ ብስደት ምኽንያት ኣብ ዊኒፔግ ካናዳ ስሩዕ እዋናዊ ንጥፈታቱ እንዳ ኣካየደ ይነብር ድሕሪ ምጽናሕ ንኹልና ብዘስደምም ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ብሃንደበት ብዕለት 8/12/ 2023 ኣብ ዊኒፐግ ካናዳ ዓሪፉ።
እምበኣር ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ዝኸውንን ከምኡ ድማ ናብ ኤርትራ ንሬሳ መልኣኽን ሓገዝ $25000 የድልየና ስለ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስለሕልና ዓቕሙ ዝኽእሎ ክሕግዝ ብትሕትናን ንምሕጸን።
ንእትገብርዎ ኩሉ ምትሕግጋዝ ኣዚና እንዳ ኣመስገንና ዓስብኹም ይብዛሕ ንብል።
ኩሉ ክሕግዝ ዝደሊ ሰብ ናብዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ሕሳብ ቁጽሪ ከእቱ ( deposite ክገብር ) ንላቦ።
ሕሰም ኣይትርከቡ!
ኣምላኽ ይባርኽኩም!!!
ኣሕዋቱ
ገባር ኪዳነ ካልጋሪ ካናዳ
ምኪያስ ቦኽረጽዮን ካልጋሪ
ኣንበሳ ገ/ብርሃን ካልጋሪ
ዮሴፍ ገ/ብርሃን ጀርመን
ማርክስ ዓ/ብርሃን ዊኒፔግ
We are organizing this fundraiser to cover the funeral expenses of our dear brother and son Simon Solomon (Gucci), who tragically passed away on December 8th, 2023 at the age of 27. We are kindly requesting your generosity during this hard time in order to cover the expensive costs that are related to sending our deceased brothers body to his final resting place of Eritrea.
Organizer
Yonas Geremay
Organizer
Calgary, AB