Main fundraiser photo

Help kids with Duchenne Muscular Dystrophy

Donation protected

https://www.youtube.com/watch?v=6TMzarMgqGU 


ህይወት ዝዓደለትኒ ብድሆ ሰጊረ ንኸመስግን ሓግዙኒ።
ኣነ ኣብርሃም ሰለሙን ዝተባሃልኩ ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ ምምሕዳር ከባቢ ጸሎት ዝነብር ኤርትራዊ ዜጋ እየ።
ክሳብ ሕጂ ህይወት ዝዓደለትኒ ብድሆ፡ ብዓቕመይ ተመስገን ሓዊሰ ክቃለሶ ጸኒሐ። ሕጂ ግና ጸገም ስድራይን ናብራን ልዕሊ ዓቕመይ ስለዝኾነኒ ጉልባበይ ክቐልዕ ተገዲደ ኣለኹ። ሰብ ካብ ሰብ ዝተፈጠርኩ፡ እሞ ድማ ካብ ኤርትራዊ ዘርኢ ዝተፈጠርኩ ስለዝኾንኩ ሽግረይ ከካፍለኩም ተበጊሰ ኣለኹ። ርህራሀን ሕልናን ህዝበይ ስለዝተረዳእኩ።
ኣርባዕተ ኣወዳት ደቀይ፡ ብዱቸን ማስኩላር ዲስትሮፊ [Duchenne Muscular Dystrophy] ብዝበሃል ንጭዋዳታትና እና ኣዳኸመ ዝቐትል ብተወርሶ ዝመሓላለፍ ሕማም ክሳቐዩ ጸኒሖምን ኣለዉን። ደቀይ ኣብ ትምህርቲ ኣዝዮም ብሉጻት እዮም ነይሮም። ፈጣሪ ግና ምርጭኡ ስለዝገበሮም እቶም ክልተ ኣብ ዝብጻሕ ከይበጽሑ ኣብ መበል 21 ዓመቶም ካብዛ ሕቑፈይ ብሞት ተፈልዮም። እቶም ክልተ ደቀይ ግና ክሳብ ሕጂ በቲ ሕማም ይሳቐዩ ኣለዉ። እቲ ዝዓበየ (ወዲ 19 ዓመት) ብሓገዝ ሰብ እዩ ዝሸይንን ዝምገብን። አቲ ንእሽተይ (ወዲ 12 ዓመት) ድማ ድሮ በቲ ሕማም ክስነፍ ጀሚሩስ ካብ መዛንኡ ዘልሓጥ ይብል ኣሎ።
ኣብ ርእሲ`ዚ ናይ ደቀይ ጸገም ናይ ብዓልቲ ቤተይ ብሰንኪ ሕማም ናይ ደቅንቅ ዝሰዓበ ናይ ኣእምሮ ጸገም ተደሪብዎ ናይ ብሓቂ ተጸጊመ። ኣብ ስራሕ ውዒለ ናብ ብዓልቲ ቤተይን ደቀይን ኣብ ምእላይ እየ ዝጓየ። እዞም ኣብ ትሕተይ ዝእለዩ ስድራይ ብዘይካ እቲ ዘድልዮም ኣለይ መለይ ምባልን ናይ ናብራ ወጻኢታትን ተወሳኺ ናይ ሕክምና ወጻኢታት`ውን የድልዮም እዩ። ገዛይ ዝርካቡ ትሕዝቶ ስለ ዘይብሉን ንሕክምና ደቀይ ምክትታል ንኽቐርበንን፡ ምስ እንዳ ቤተ ሰብ ተጸጊዐ እየ ዝናበር ዘለኹ። ክሳብ ሕጂ ንኣምላኸይ ስለቲ ዝዓደለኒ ትዕግስቲ እና ኣመስገንኩ፡ ንሽግራተይ ክሓልፎ ጸኒሐ። ሕጂ ግና ካብ ሰብ ዝተፈጠርኩ ስለዝኾንኩ፡ ከም ሰብ ሓገዝ ይሓትት ኣለኹ። ስለ ርህራሄኹምን ሓገዝኩምን ድማ ኣቐዲመ የመስግን።


ኣብርሃም ሰለሙን
ኣድራሻ = ጸሎት ፣ ንኡስ ዞባ = ጋላነፍሒ
              ኣስመራ፣ ኤርትራ
ቴለፎን፡ 07532642
ቁጽሪ ተጠራቓሚ ሕሳብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ፡ 0422147243-5

 

Donations 

  • Ghebriela Berhane
    • $57 
    • 3 yrs
  • Abraham Seyoum’s
    • $50 
    • 3 yrs
  • Michael Alem
    • $50 
    • 3 yrs
  • Gebru Tekie
    • $50 
    • 3 yrs
  • Mahta Yemane
    • $100 
    • 3 yrs

Organizer

Shagi(Tesfaslassie) Debesai
Organizer
Edmonds, WA

Your easy, powerful, and trusted home for help

  • Easy

    Donate quickly and easily.

  • Powerful

    Send help right to the people and causes you care about.

  • Trusted

    Your donation is protected by the  GoFundMe Giving Guarantee.