In support of Estifanos Gebreamlak Gudad's family
Donation protected
ብልቢ ነፍቅሮን ነኽብሮን ሓውና: ብጻይናን ኣያናን መምህር እስቲፋኖስ ገብረኣምላኽ ጉዳድ ድሕሪ ናይ ሓጺር መዓልቲ ዝወሰደ ሕማም ቀዳም: 26 ታሕሳስ 2020 ኣብ ገዝኡ ኣብ ኣስመራ: ሃገረ ኤርትራ: ዓሪፉ::
መምህር እስቲፋኖስ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ: መምህር ኮይኑ እንዳሰረሐ ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ናይቲ እዋን: ነቲ ብልቡ ዘፍቅሮ ህዝቡን ዘኽብራ ሃገሩን ሓራ ንምውጻእ ኣብ ናይ ከተማ ስርሒት ብምውዳብ ሃገራዊ ቃልሱ ጀሚሩ:: ውድባዊ ምንቅስቓሳቱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ተፈልጠ: ኣብ መወዳእታ 1974 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት (ናይ ድሓር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ) ብምጽንባር ሃገራዊ ቃልሱ ቀጺሉ፡፡ ካብ ተራ ክሳብ ደረጃ መራሕ ሓይሊ ብምብጻሕ ድማ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን ከም ኩሉ ተጋዳላይ ንሃገሩን ህዝቡን ደሙን ርሃጹን ኣፍሲሱ:: ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምስ ኣተወ'ውን: ምስ ሓፋሽ ህዝቡ ብዝላዓለ ንቕሓትን ውዳበን ሃገራዊ ዕማሙ ፈጺሙ:: ካብ መወዳእታ 80'ታት ጀሚሩ: ኣብ ናይ ኤርትራዊያን ማሕበረ ኮም ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ብሙሉእ ዓቕሙ ደኺመን ሰልኪየን ከይበለ ንህዝቡን ንማሕበረ-ኮሙን ንነዊሕ ዓመታት ኣገልጊሉ፡፡
መምህር እስቲፋኖስ ከም ሰብ ፈቃር: ለዋህ: በዓል ፍሕሹው ገጽን ሰፊሕ ልቦናን'ዩ ነይሩ። ሞት መምህር እስቲፋኖስ ካብ ስድራ-ቤቱን ቤተሰቡን ሓሊፉ፡ ነዕርኽቱን ንብምሉኦም ኤርትራዊያን ተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኡን ተንኪፉዎም እዩ።
መምህር እስቲፋኖስ: 3 ዓመት ዘይመለአት ህጻን ጓሉ ሰላም እስቲፋኖስን በዓልቲ-ቤቱ ንግስቲ ዑቕባት ሓጎስን ንድሕሪትገዲፉ'ዩ ዓሪፉ:: ብጾቱን ኩሎም ፈለጥቲ መምህር እስቲፋኖስን: ነዛ ቦኽርን ሕሳስልደን ዝኾነት ህጻን ጓሉ ሰላምን ንበዓልቲ-ቤቱ ንግስቲን ኢደ-ኢድካ ኢልና ንምሕጋዝ ኣብዚ ተዳልዩ ዘሎ ናይ ሓገዝ ወፈያ (Gofundme) ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት:: ሕሰም ኣይትርከቡ::

Organizer
Gabriele Tripodo, Asmorom George, and Dawit Habte
Organizer
Washington D.C., DC