- J
- D
- N
እቲ ዛንታ፡ ዛንታ ናይ ካብ ሕቑፎ ኣቡኡን ኣዲኡን ገና ወዲ 14 ዓመት እንከሎ ዝወጸ መንእሰይዩ። እዚ ሓውና ከም ኩሉ መንእሰይ ላዕልን ታሕትን ብምባል ዓዲ ሰብ ኣትየ ኢሉ ህይወት ክምስርት ንንእስነቱ ትርጉም ክህብ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ፈተና ኣብ ልዕሊ ፈተና ተደራሪቦም ብዘይሓላፍነታውያን ሰባት ተመሪሖም ጌጋታት ተፈጺሞም እዚ ባሕርን ጣሕርን ኢሉ ኤውሮጳ ዝኣተወ ሓውና ናብ ኣፍሪቃ ተጠሪዙ መጸ። ሽዑ'ውን ፋሕተርተር ኢሉ ርሂጹ ክሰርሕ ጀምሩ ቀሲነ ኢሉ ኣብ ዝሓሰበሉ ፈተነ ካልእ መልክዕ ሒዙ ብምምጻእ ካልእ ሽግር ፈጠረ ሕጂ'ውን ውድቀት ኣርከብቶ፡ ዛንታ ናይዚ መንእሰይ ዛንታ ስድራቤታዊ ጥልመት፡ ተንኮልን ፈተነን ናይ ጓኖት ከምኡ'ውን ሰብኣውነት ናይ ብዙሓት ዘንጸባርቕ ዛንታ'ዩ። እቲ ታሪኽ ኣብዚ ተጻሒፍካ ክውዳእ ዝኽእል ኣይኮነን፡ ነቲ እዚሓውና ኣብ ቲክቶክ ዝጽሓፎ @ሕቡእ ቃንዛ ወይ Zektam1 ብምባልን ከተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም ሊንክ'ውን ኣብዚ ታሕቲ ገዲፍናልኩም ኣለና።
ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግባእ፡ እዚ ሓውና ዘተንፍሰሉ ሰብ ስለ ዝስኣነ ቃንዝኡ ዘካፍሎ ኣካል ስለ ዝስኣነዩ ንነዊሕ ግዜ ዝሰቓዮ ቃንዛ ብዘይንቡር መንገዲ ኣብ ቲክቶክ ዝጽሓፎ፡ እዚ ሓውና ማዕጾ ከፊቱሎም ካልኦት'ውን ዝስዕቡ በይኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትና ኣይስኣኑን ይኾኑ እዮም እሞ፡ እዚ ክስተትዚ ንብዙሓትውን ነጥበ መቐይሮ ህይወቶም ክኸውን ዝኽእልዩ ዝብል እምነት ኣሎና።
ኣብ መደምደምታ ክኣ እዚ ሓውና ኣብዚ ሰዓት'ዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝረኽቦ ዘሎ ፍቕርን ደገፍን ሓቦ ሰኒቑ ነብሰይ ከጥፍእየ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ወጽዩ ሓመደይ ነጊፈ ሕጂ'ውን ናብ ሓድሽ ህይወት ክብገስየ ናብ ዝብል ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ምስግጋር ይርከብ፡ ስለዚ እምብኣር ዓቕምና ብምብርካት ኣብዚ ሓድሽ ታሪኹ ፍቕሪ፡ ተስፋ፡ ምድግጋፍ ደሚቐን ንኽጽሓፋ ንግበር።
መተሓሳሰቢ
Privacy ናይዚ ሓውና ንኽሕሎ ልዑል ጻዕሪ ከነካይድዩ ዝግባእ ምኽንያቱ ስድራቤት ዝተሓወስዎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ጽባሕ ብይቕሬታ ንዝእረም ነገር ዘይርሳዕ ሳዕቤን ክንፈጥር ኣይግባእን።ናይ ቲክቶክ ኣካውንቱ ንምርካብ ኣብዚ ሊንክ ጠውቑ

